ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስያትል ዋሽንግተን ኣሜሪካ - ባርዕ ሓዊ ን5 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቀቲሉ

  • ምንያ ኣፈወርቂ

ባርዕ ሓዊ ኣርባዕት ቆልዑ ሓዊሱ ንሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቀቲሉ።

ኣብ US ክፍለ-ግዝኣት ዋሽንግተን ስያትል ኣብ ሓደ ገዛ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ካብ 13 ዓመት ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑን ኣደ ሓንቲ ካብቶም ቆልዑ ንዝኾነት ወይዘሮ እየሩሳሌም ገብረጊዮርጊስን ቀቲሉ።

ካብቲ ባርዕ ሓዊ ብህይወት ዝደሓነት ኣደ’ቶም 3 ቆልዑ ወይዘሮ ሄለን ገብረጊዮርጊስ ሓንቲ ካብቶም ደቂ ሓፍታ ዝኾነት ቆልዓ 5 ዓመት ሒዛ’ያ ኣምሊጣ። እዚ ሓደጋ'ዚ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሐዊሱ ከቢድ ስንባደን ሐዘንን ፈጢሩ’ሎ ክብሉ ነቶም ስድራ ዝፈልጡን ነባሪ’ቲ ከባቢን ኣቶ ሓድሽ ዛህላይ ብሩ ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝቶኡ ንምስማዕ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG