ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቪድዮ ካሜራ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ንክትከል ፃውዒት ይቀርብ'ሎ


ፅዋዕ ዓለም
ፅዋዕ ዓለም

ጋንታ እንግሊዝ ዝተመንጠለታ ሸቶ ከም ኣብነት ተጠቃሲት ኮይና'ላ

ርእሲ ኩሎም ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝኾነ ፅዋዕ ዓለም፣ዝተራኣዩ ናይ ሞንጎኛታት ተደጋጋሚ ጌጋ፣ኣብ ገለ መዳይ‘ቲ ፀወታ ቪድዮ ካሜራ ምጥቃም ግድን ክኸውን ገይርዎ‘ሎ ዝብል መረረት እናሓየለ ይመፅእ‘ሎ።

ኣብ ዝኸድካ ከይድካ፣ኣንፃር ጋንታ እንግሊዝን እታ ጋንታ ዘሰለፈቶ ፍራንክ ላምፓርድ ዝተፈፀመ በደል መዘራረቢ ነጥቢ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ።እታ ጋንታ እንግሊዝ ምስ ጋንታ ጀርመን እናተጋጠመት ከላ፣ ብሞንጎኛ ዝተሳዕረት ሸቶ፣ምስ ጋንታ ጀርመን ማዕረ ክልተ ንክልተ ክትከውንን ንሓፈሻዊ ኣንፈት እቲ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ክቅይርን ዕድል ነይርዎ። ብጠንቂ‘ቲ ውሳነ እንግሊዝ 4 ን 1 ተሳዒራ ካብ‘ቲ ውድድር ወፂኣ‘ላ።


ብዘይካ‘ዚ፣ኣብ ታሪኽ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ጋንታ እንግሊዝ ብከምዚ ዝሰፍሐ ኣፈላላይ ሸቶ ንክትስዓር ማዕፆ ከፊቱ‘ዩ።

እቲ ዘገርም ነገር፣ኣብ ቀዳሞት ግጥማት ፅዋዕ ዓለም፣ብግልባጡ ጀርመን‘ያ ነይራ ብተመሳሳሊ ጌጋ ናይ ሞንጎኛ ዝተበደለት።ቅድሚ ፵፬ ዓመት ኣብ ዝተካየደ ግጥም ንፅዋዕ መን ዓተረ፣ምዕራብ ጀርመን ምስ እንግሊዝ ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን፣ተሰላፋይ ጋንታ እንግሊዝ ዝነበረ ጂኦፍ ሀርስት ዝቀልዓ ኩዕሶ፣ሓፂን‘ቲ ማዕፆ ካብ ላዕሊ ወቂዓ፣ቁልቁል ወሪዳ ንመስመር‘ቲ ማዕፆ ሓሊፋ‘ዶ ኣይሓለፈትን ዝብል ምስሕሓብ ተፈጢሩ፣ሞንጎኛ ሓሊፋ‘ያ ኢሉ ንጋንታ እንግሊዝ ሸቶ መዝጊቡላ‘ዩ።ከም‘ቲ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ፍራንክ ላምፓርድ ዘጋጠሞ፣ኩዕሶ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ነጢራ ስለዝተመልሰት ቅፅበታዊ መልሲ ኣይተረኽበሉን ነይሩ።ጀርመናዊያን ሎሚ‘ውን እንተኾነ እታ ኩዕሶ ንመስመር ኣይሓለፈትን ዝብል እምነት ኣለዎም።ኣብ‘ቲ ናይ ስሳን ሽዱሽተን ግጥም ፅዋዕ መን ዓተረ፣ጋንታ እንግሊዝ ንጋንታ ጀርመን 4 ን 2 ስዒራ ፅዋዕ ከምዝተቀበለት ዝዝከር‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፊፋ ማለት ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም፣ኩዕሶ ንመስመር ማዕፆ ሓሊፋ እንተኾይና ዝከታተለሉ ቴክኖሎጂ ቪድዮ ካሜራ ምጥቃም ግቡእ ድዮ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ኣብ ቀፃሊ ኣኼብኡ ክዘራረበሉ ምኻኑ ኣፋፍኖት ሂቡ‘ሎ። ፊፋ ክሳብ ሎሚ ቴክኖሎጂ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ስፍራ የብሉን ኢሉ ነቲ ሕቶ ዓፅዪዎ ከምዝፀንሐ ይዝከር።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ስራሕቲ ቪድዮ ዝነጣጠፍ ባይረን ብለንት፣ቪድዮ ንዝቀረፆ ድሕረ-ፍፃመ ምስክርነት ኩዕሶ እግሪ፣ሳልሳይ ኣምፒይር ኢሉ ይፅወዖ፥

ንሱ ኣብ ዘረብኡ”ጌጋታት ናይ ምፍፃም ዕድል ስለዘሎ፣ሳልሳይ ኣምፒር ናብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ክተኣታቶ‘ለዎ።ከም‘ቲ ኣብ ግጥማት ራግብይ፣ክሪኬትን ካልኦትን ዝግበር ማለተይ‘የ።ንዝናኣሱ ጌጋታት ንምክትታል ተባሂሉ ኣይኮነን ሳልሳይ ኣምፒር ይተኣታቶ ዝብል ዘለኹ።ገለ ሰባት ፈፂሙ እዚ ኣባሃህላ‘ዚ ክሰምዕዎ‘ውን ኣይደልዩን።ምኽንያቱ ክገልፁ ከለው፣ንከይዲ‘ቲ ፀወታ ከቋርፆ እዩ‘ዮም ዝብሉ።እዚ ሓቂ ኣይኮነን።ሳልሳይ ኣምፒር ዝተኣታተወሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ጋንታታት ዕድለን ከይምንጠላ ስለዘሐግዝ‘ዩ”ይብል።

ትሪሽ መሎን ዝተባሃለት እንግሊዛዊት ቀናእ ኣፍቃሪት ኩዕሶ እግሪ ብወገና ካብ ብርሚንግሃም ኮይና ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ፣ቪድዮ ቴክኖሎጂ ናብ ማዕፆ ኩዕሶ እግሪ ምግጣም ጊዚኡ ኣኺሉ‘ዩ ትብል።

ትርሽ፣ጋንታ እንግሊዝ ንዘጓነፋ ፀገም ተመርኲሳ ክትዛረብ ከላ ”ኣብ‘ዚ እዋን ተቀባልነት ዘይብሉ‘ዩ ዝብል እምነት‘ዩ ዘለኒ።ብዘይጥርጥር ቪድዮ ክትከልን ምስሕሓብ እንተተፈጢሩ ተመሊስካ ምርግጋፅን ግቡእ‘ዩ። ንኣብነት ኣብ ሜዳ-ቴኒስን ክሪኬትን፣ቪድዮ እንተተኺልካን ተጠቂምካሉን ንዋሕዚ‘ቲ ፀወታ ኣይህውኾን።ኣብ ግጥም ኩዕሶ እግሪ‘ውን ክንጥቀመሉ ኣለና።ስለዚ ኣብ ቀፃሊ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም፣ሻምፕዮን ኣውሮዻን ካልኦት ዓለም-ለኸ ግጥማት ቪድዮ ክንጥቀም ይግባእ።ኣዝዩ ደራኺ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” በለት።

ዓላሚ ጋንታ እንግሊዝ፣ጣልያናዊ ፋብዮ ካፔሎ፣ንዳያኑ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ክንጥቀም‘ዶ ኣለና ናብ ዝብል ክትዕ ምእታውና ንባዕሉ ኣገሪሙለይ‘ሎ ይብል።ፋብዮ ካፔሎ ኣስዒቡ፣ኣብ‘ዚ ቴክኖሎጂ ዝማዕበለሉ መዋእል’ዚ፣ ኩዕሶ ንመስመር ማዕፆ ሓሊፋ‘ዶ ኣይሓለፈትን ዝብል ሕቶ ግቡእ መልሲ ክንረኽበሉ ዘይምኽኣልና ዘሰክፍ‘ዩ በለ።

ኣቀዲምና ሪኢቶኡ ዘስማዕናኩም ቪድዮግራፈር ባይረን ብለንት፣ፊፋ ናብ ዘበናዊ ዓለም ክሕወስ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ ይብል።

ብለንት ወሲኹ ”ዳሓር ተመሊስና ግጥም እንግሊዝን ጀርመንን ኣብ ቪድዮ ምስ ረኣናዮ፣ ኩዕሶ ንመስመር ማዕፆ ከምዝሓለፈት ጋንታ እንግሊዝ ማዕረ ፪ ን ፪ ክትከውን ዘኽእላ ዕድል ከምዘምለጣ ንፁር ኮይኑ‘ሎ።እዚ ድማ ንሓፈሻዊ ኣቀማምጣ‘ቲ ፀወታ ክቅይሮ ተኽእሎ ነይሩዎ።ስለዚ ንሕጊ ክንቅይሮ ኣለና ማለት‘ዩ።ፊፋ ክቅበሎ ቅሩብ ተዘይኮይኑ፣ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት ይግባእ“ ይብል።

ቴክኖሎጂ ኣካል ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ክኸውን ኣይግባእን ዝብል ፊፋ ጥራሕ ኣይኮነን።ካልኦት‘ውን ብግዲኦም፣ኩዕሶ እግሪ ጥንታዊነቱን ውርሻታቱን ዓቂቡ ይቀፅል ኢሎም‘ዮም ዝኣምኑ።ሓደ ካብ‘ዞም ንምትእትታው ቴክኖሎጂ ናብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዝቃወም፣ሓላፊ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ጆናታን ፎርድ‘ዩ።ኣምፒራት ነቲ ቅኑዕ ዘበለ ውሳነ ንክህቡ ድልየት ኣሎ እንተኾይኑ ተወሳኺ ሓገዝ‘ዩ ዘድልዮም፤እዚ ሓገዝ‘ዚ ድማ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ጥራሕ ክኸውን ኣይግባእን ይብል።

XS
SM
MD
LG