ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ዴሞክራስያዊ ትካላት ኢትዮዽያ ንምሕያል ተጊህና ክንሰርሕ ኢና" ዩ-ስ


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ

ዴሞክራስያዊ ትካላት ኢትዮዽያ ንምሕያልን፣ክፉት ፖለቲካዊ ባይታ ንህዝቢ ኢትዮዽያ ክረጋገፀሉን ምስ ኢትዮዽያ ተጊህና ክንሰርሕ ኢና ትብል ዩ-ስ

እዚ ቀፂሉ ተፃሒፉ ዘሎ፣ንመርገፂ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘንፀባርቅ ርእሰ-ዓንቀፅ‘ዩ -

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮዽያ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተካየደ ምርጫ ፓርላማ፣ዓብላሊ ድምፂ ዓቲሩ‘ሎ።እንተዳኣ ተረጋጊፁ፣ቀዳማይ ምንስቲር መለስ ዜናዊ ዝመርሕዎ ኢህወዴግ ብዘይካ ንኽልተ መናብር ንብሙልኡ መናብር ክቆፃፀሮ‘ዩ።

ቁፅሪ መረፅቲ ፅቡቅ፣ከይዲ’ቲ መረፃ ድማ ሰላማዊ ከምዝነበረ ተነጊሩ‘ሎ።ግን ከምኣካይዳ ዴሞክራሲ እቲ ናይ መወዳእታ ውፅኢት ብወሳኒ ዝተሓዋወሰ‘ዩ።ናይ ዩ-ስን ካልኦት ዲፕሎማታትን ንከይዲ ምርጫ ንምዕዛብ ሓቲቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ንከይወፁ ተከልኪሎም፣ዓለም-ለኸ ተዓዛቢ ሕብረት ኣውሮዻ፣ብሰንኪ‘ቲ ቅድሚ ዕለት ምርጫ ዝነበረ ቁፅፅር መንግስቲ፣እቲ ምርጫ ዓለም-ለኸ መዐቀኒ ኣየማለአን ኢሉ‘ሎ።

ዝጥቀሱ ጉድለታት ጉጅለታት ሲቪላዊ ማሕበረ-ሰባት ተከልኪሎም፣ናፃ ሚድያ ክፅብፅብዎ ንዝኽእሉ ተወሲኖም፣ናይ ወፃኢ ሚድያታት ንቪኦኤ ሓዊሱ ተዓፊኖም‘ዮም።

ምቊፃር ድምፂ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፣ኩሎም ወገናት ንህውከት ንክነፅጉ ዩ-ስ ትፅውዕ።መንግስቲ‘ውን ብፅቡቅ እምነትን ዘይሸራዊነትን ንዝተላዓሉ ስክፍታታትን ምስሕሓባታትን ምላሽ ንክህበሉ ዩ-ስ ተባብዕ።

ኢትዮዽያን ዩ-ስን ብዙሕ ዘፈራት ርክብ ዘለወን፣ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ረብሓታት ዘራኽበን ሃገራት‘የን።ዴሞክራስያዊ ትካላት ኢትዮዽያ ንምሕያልን፣ክፉት ፖለቲካዊ ባይታ ንህዝቢ ኢትዮዽያ ክረጋገፀሉን ምስ ኢትዮዽያ ተጊህና ክንሰርሕ ኢና ይብል ተዳልዩ ዝመፀልና ንመርገፂ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘንፀባርቅ ርእሰ-ዓንቀፅ።

XS
SM
MD
LG