ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሕክምናዊ መደብ ተተግብር’ላ


ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንተማሃሮ ኩነታት ጥዕነኦም ብምፍታሽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ መደብ ይትግበር’ሎ።

እዚ ምክትታል ጥዕናን ጎስጋስን ኣብያተ ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መደብ ንናይ ዓይኒ ፅገም ዘለዎም ተማሃሮ መነፅር፡ ንኹሎም ተማሃሮ ድማ ናውቲ መፅረይ ኣስናን ኮልጌትን ብራሽን ይዕድል።

ብመሰረት'ቲ መደብ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዞባ ማእኸል ኣብ ልዕሊ 131 ሽሕ ተማሃሮ ናይ ጥዕና ተፍታሽ ተካይዱ’ሎ። ብመሰረት’ቲ ዳህሳስ ድማ ልዕሊ 36 ሽሕ ተማሃሮ ምስ ምርአይ ምስማዕን ኣስናንን ዝተተሐሐዙ ፀገማት ጥዕና ከምዘለዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሙሉእ ትሕዝቱ ንምስማዕ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG