ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም ለኸ ማሕበር ቀዳሞት ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ኣጋአዚ ዓዲግራት ተመስሪቱ።


ብዓለም ለኸ ብርኪ ተጣይሹ ኣመራርሓ’ውን መሪፁ’ሎ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከታማ ዓዲ ግራት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝተኻየደ ፌስቲቫል ማሕበር ቀዳሞት ተማሃሮ ኣጋአዚ ተዛዚሙ። እቲ ማሕበር ብዓለም ለኸ ብርኪ ተጣይሹ ኣመራርሓ’ውን መሪፁ’ሎ።

እቲ ፌስቲቫል ማሕበር ቀዳሞት ተማሃሮ ኣጋአዚ ዝተኻየደ ንመበል 68 ዓመት ምስረታ’ቲ ቤት ትምህርቲ መሰረት ጌሩ’ዩ። ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝምስረት ካብ 1934 ዓም አትሒዙ ኣብኡ ዝተማህሩ’ዮም።

ወከልቲ’ቲ ማሕበር ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ሎንደን ስዊድን ኣዲስ ኣበባ መቐለን ዓዲ ግራትን ተረኺቦም።

XS
SM
MD
LG