ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ደቪድ ሺን፡ ብመሓመድ ዖማር ዖስማን ዝምራሕ ጉጅለ ONLF ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ብድሆ ክኾኖ’ዩ ኢሎም


መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግንባር ሓርነት ምዕራባዊ ሶማሌ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሙ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስቲ ብሸኽ መሐመድ ሑሰን ዝምራሕ ጉጅለ ግንባር ሓርነት ምዕራባዊ ሶማሌ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሙ’ሎ። እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ ግዜ በአጋጣሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝነበሩ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዝነበሩን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ጆርጅታውን ዩኒቨርስቲ ዝምህሩ ዘለዉ ኣምባሳደር ደቪድ ሽን ገሊፆም።

ንኹነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸታተሉ ኣምባሳደር ሽን ንኩነታት ኦጋዴን ብቀረባ ከምዝከታትሉ ንጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሰሎሞን ኣባተ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ደቪድ ሽን ሰለስት ጉጅለታት ኦጋዴን ከም ዘለውን እቲ ነባርን ዝፀንሐን ብመሐመድ ዖማር ዖስማን ዝምራሕ፡ እቲ ሓድሽ ጉጅለ ብሰላሓዲን ዓብድራሕማን ማኦ ዝምራሕ፡ እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ኸኣ ግንባር ሓርነት ምዕራባዊ ሶማሌ’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኽልል ወታሃደራዊ ምንቅስቃስ ዘካይድ ኣብቲ ልዝብ ሰላም ዘይተፀንበረ እቲ ብመሓመድ ዖማር ዖስማን ዝምራሕ ጉጅለ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ብድሆ ክኾኖ’ዩ ኢሎም ኣምባሳደር ደቪድ ሽን።

XS
SM
MD
LG