ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይ ኣባይ ንረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምውዓል ደገፍ ኣሜሪካ ዝፀወዐ ሰልፊ ተካይዱ


ቻይና ንኢትዮጵያ ንከይትሕግዝ ዝፅውዕ ካልእ ሰልፊ'ውን ውዒሉ

ኢትዮጵያ ማይ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ ክሕሎ፡ናይ ደገ ተሓለቅቲ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ንከይኣትውን ካልኦትን ነጥብታት ዝሓዙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፉ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲ/ሲ ተሰሊፎም።

ዶ/ር ሙላይ ተክሉ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ካብ ብርክት ዝበላ ክፍለ-ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝመፀ ሰባት ኣብ'ቲ ሰልፍ ተሳቲፎም'ለው ኢሎም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ቻይና ንኢትዮጵያ ትልግሶ ሓገዝ ንክተቓርፅ ኣብ ኤምባሲታት ቻይናን ኢትዮጵያን ኣብ ዋሽንግተን ዲ/ሲ ኣካይዶም።

XS
SM
MD
LG