ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኢትዮጵያውያን ንውጥን ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን መንግስቲ ይካትዕሉ


ክልተ ሙሁራት ኣብ ገሊኡ ነጥቢ ይሰማምዑ ኣብ ገሊኡ ግና ይፈላለዩ

ሙሁራት ነበርቲ መቀለ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትግብሮ ዓሊሙ ናብ ምይይጥን ገምጋምን ህዝቢ፡ሰብ-ሃብቲን መሻርኽትን ኣቅሪብዎ ዘሎ ውጥን ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ብመሰረቱ ዘሰማማዖም ኮይኑ ኣሎ።ኣብ ምዕዋቱ ግና ተፈላልዮም።

ዶ/ር ዛይድ ነጋሽ፣ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ተመክሮታት ገምጊምካ እቲ ናይ ቀፃሊ 5 ዓመታት መደብ ልምዓትን ትራንስፎርሜሽንን ክዕወት ይኽእል‘ዩ፣መንግስቲ ኢትዮዽያ‘ውን እንተኾነ ብቅዓት ኣመራርሓ ኣለዎ ዝብል ሪኢቶ ኣለዎም።ኣብ‘ዚ ክትዕ‘ዚ ዝቀረቡ ኣቶ ግርማይ በርሀ ብግዲኦም፣ኣብ ሕርሻዊ ፖሊሲ መሰረታዊ ለውጢ ተተግቢሩ ካብ ውልቃዊ ሓረስቶት ናብ ሰፊሕ ሕርሻታት ዘማእከለ ኣንፈት ክሳብ ዘይተሳገርና እቲ መደብ ሓሙሽተ ዓመት ክዕወት‘ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ይዛረቡ።

ብመሰረት‘ቲ ተወጢኑ ዘሎ ፖሊሲ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን፣ኢትዮዽያ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ቁጠባኣ ካብ ሕርሻዊ ዝመሰረቱ ምኳን ሓሊፉ ብኢንዱስትሪ ዝምራሕ ክኸውን‘ዩ።ከምኡውን እታ ሃገር ካብ ልመና እኽሊ ናፃ ክትከውን‘ያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።እዚ ፖሊሲ‘ዚ ክትግበርን ክዕወትን ድዩ? ዘስዕቦ ረብሓታቱን ንከይዕወት ከጋጥሞ ዝኽእል ማሕለኻታቱን እንተሃልዩ ንክዘራረቡሉ ንክልተ ሙሁራት ዓዲምና‘ለና።ዶ/ር ዛይድ ነጋሽን ኣቶ ግርማይ በርሀን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ንትምህርቲ ስነ-ቁጠባ ዝምህሩ‘ዮም።

ንክልቲኡ ክፋል ክትዕ-ሙሁራት ኣብ ላዕሊ የማናይ ፀግዒ ተሰሪዑ'ሎ ብቅደም ሳዓብ የዳምፁ!

XS
SM
MD
LG