ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ምብራቅ ኣፍሪቃ- ኬንያ፣ታንዛንያ፣ዩጋንዳ፣ ሩዋንዳን ቡሩንዲን ማዕፆአን ንንግዲ፣ግልጋሎታትን ህዝብታተን ክፉት ክገብራ‘የን።


ኣባላት‘ቲ ማሕበረ-ሰብ ዝኾና ኬንያ፣ታንዛንያ፣ዩጋንዳ፣ ሩዋንዳን ቡሩንዲን ማዕፆአን ንንግዲ፣ግልጋሎታትን ህዝብታተን ክፉት ክገብራ‘የን።

ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ንመስርሕ ሓድነት ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ብወግዒ ክጅምርዎ‘ዮም።ሻቅሎት ናእሽቱ ሃገራት ከምዘሎ ኮይኑ፣ተንተንቲ ግና እቲ ሓድነት ነቲ ዞባ ክረብሕ‘ዩ ይብሉ።

እቲ ብኣባል ሃገራት ማሕበረ-ሰብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝተኸትመ ሰነድ ፕሮቶኮል ሓባራዊ ዕዳጋ ይባሃል።ካብ ድሕሪ ፅባሕ ጀሚሩ ድማ ግብራዊ ክኸውን‘ዩ።እቲ ፍፃመ‘ቲ፣ንሃንቀውታ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ሓድነት ምብራቅ ኣፍሪቃ ይፅበዩ ንዝነበሩ ዓብዪ ፍፃመ‘ዩ።

ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣባላት‘ቲ ማሕበረ-ሰብ ዝኾና ኬንያ፣ታንዛንያ፣ዩጋንዳ፣ ሩዋንዳን ቡሩንዲን ማዕፆአን ንንግዲ፣ግልጋሎታትን ህዝብታተን ክፉት ክገብራ‘የን።

ናይ‘ቲ ፕሮቶኮል ዒላማ፣ኣብ መወዳእትኡ ሓባራዊ ገንዘብን ፖሊሲ ወፃኢን ዝሓዘ ፌደራላዊ ሃገር ምቋም‘ዩ።ነቀፍቲ ምብራቅ ኣፍሪቃዊ ፈደረሽን ግና፣ እቲ ዒላማ ኣብ ውሽጢ ዝቅፅል ሓደ ዓመት ክትግበር ኣይኽእልን ዝብል ገምጋም ኣለዎም።እንተኾነ ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ምብፃሕ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ዓወት‘ዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን።ሓደ ካብ‘ዚኦም ኬንያዊ ሮበርት ሻው‘ዩ።

ንሱ ኣብ ዘረብኡኣብ ዓለማዊ ኩነታት፣ሓንቲ ሃገር፣ብሕልፊ ሓንቲ ንእሽተይ ኣፍሪቃዊት ሃገር እንተኾይና፣ምስ ካልኦት ምትሕንፋፅ ብክልተ ምኽንያት ቅቡል‘ዩ።ቀዳማይ-ኣብ ውሽጢ‘ዘን ሃገራት ንግዲ ምሕያል ይካኣል። ሪኢናዮ‘ውን ኢና።ኣብ ሞንጎ ኬንያ፣ዩጋንዳን ታንዛንያን-ገለ እዋን ድማ ምስ ሩዋንዳ፣ንግዳዊ ርክብ ዓመት ዓመት እናወሰኸ‘ዩ መፂኡ።ስለዚ ምኽኑይ‘ዩ። ካልኣይ-ዕዳጋኻ ሰፊሕ ምስ ዝኸውን፣ንኢንቨስተራት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ትስሕበሉ ኢኻ” ይብል።


እቲ ሓባራዊ ፕሮቶኮል፣ኣብ‘ቲ ዞባ ንግዲ ንምፍፃም ዓንቀፍቲ ንዝኾኑ ደረትን ሕጊታትን‘ውን ከውግድ‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ፣ሙሁራትን ኪኢላታትን ዝያዳ ተጠለብቲ ናብ ዝኾኑሉ ከባቢ ምግዓዝ ይካኣል‘ዩ።

ኩሉ-ሰብ ግና ሕጉስ‘ዩ ማለት ኣይኮነን።ነቀፍቲ ከምዝብልዎ፣እታ ዝዓበየን ተዓፃፃፊን ቁጠባ ዘለዋ ኬንያ፣ዝያዳ ተረባሒት ክትከውን‘ያ ይብሉ።

ሚስተር ሻው ኣስዒቡ ”ኬንያ ሕምብርቲ’ያ።ሕምብርቲ ስለዝኾነት ድማ ዝያዳ ክትርባሕ‘ያ። ብተመሳሳሊ፣ካልኦት ሃገራት ክረኽበኦ ንዘለወን ረብሓ‘ውን ክተነኣእሶ የብልካን።ኬንያ ልዑል ሓይሊ ሰብን ኪኢላን ኣለዋ። እዚ ዕቁር ዓቅሚ‘ዚ ንመላእ‘ቲ ዞባ ክረብሕ‘ዩ።ስለዚ ዝያዳ ተረባሒት ኬንያ‘ያ ክትከውን ዝብል ጥቅሉል ገምጋም፣ዘደናግር ገምጋም‘ዩ።ኩለን ሃገራት፣ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተረባሕቲ ክኾና‘የን” በለ።

እዚ ሓድሽ ዕዳጋ‘ዚ፣ዛጊድ‘ኳ ንዓይኒ ካልኦት ክስሕብ ጀሚሩ‘ሎ።ንኣብነት ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ቱርኪይ፣ንዓቅሚ‘ቲ ዞባ ንምምዝማዝ ሃገሮም ማእከል ንግዲ ሰደድ ክትከፍት‘ያ ኢሎም‘ለው።ማሕበረ-ሰብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝትግበር ፖሊሲ ኢምግረሽን ንምስላጥ ኣብ ስራሕ‘ዩ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG