ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝተሰየመ ጉባኤ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅምር'ዩ


ሰልፍ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብቲ ጉባኤ ርእሱ ኣግሊሉ።

ኺዳን -ጥምረት ተቃወምቲ ኤርትራ ዘዳለዎ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞራስያዊ ለውጢ ዝተሰየመ ጉባኤ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝጅመር ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኸምፅኡ ይኽእሉ’ዮም ዝብሎም ውሳነታት ከምዘሕልፍ አዳለውቲ’ቲ ዋዕላ ይገልፁ።

ይኹን’ምበር ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተባህለ ተቃዋሚ ሰልፊ እቲ ጉባኤ ራእይ ዘይብሉ ብተብትብ ዝተዳለወ’ዩ ብዝብል ንነብሱ አግሊሉ’ሎ።ኣሰናዳእቲ’ቲ ዋዕላ ግን እኹል ምድላዋት ተገይሩ’ዩ ይብሉ።

አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ካብ ጀርመን፡ አቦ መንበር ኣሰናዳኢ ኮሚቴ’ቲ ፅባሕ ዝካየድ ዋዕላ ኣቶ በሽር ኢሳቅ ኸአ ካብ ኣዲስ ኣበባ ነናቶም መብርሂ ሂቦም’ለው።

XS
SM
MD
LG