ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋሽንግተን ዲ/ሲ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢትዮጵያውያን ዝተካየዱ ናይ ድጋፍን ተቃውሞን ሰልፍታን ንክልተ ኢትዮጵያውያን መካትዒ ኮይኑ


ኣብ ትርጉም ሃገራዊ ረብሓ'ውን ተመሳሳሊ መርገፂ የብሎምን


ሓንቲ ሃገር ንኢትዮጵያ ልቃሕ ክትፈቅድ ከላ ንናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ተገዲሳ ዘይኮነትስ ንናይ ባዕላ ረብሓ ኣቀዲማ"ዩ ዝብሉ ኣቶ በላይ ገሰሰ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጣልቃ ምትእትታው ጠጠው ንክተብል መፀዋዕታ ዝቀረበ እቲ ርክብ ካብ ማዕርነታዊ ናይ ንግዲ ናይ ኢንቨስትመንት ናይ ኢኮኖሚ ሰጊሩ ክሳብ ወትሃደራዊ ምትእትታው ከይዱ'ሎ።ቻይና ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ርካሽ ኣቕሓ መራገፊ ናይ ባዕላ ስራሕ ዝሳኣኑ ሰባት'ውን ብሓገዝ መልክዕ ናብ ካልኦት ሃገራት ትራንስፈር መግበሪ ረኺባታ ዘላ ድንግል ሃገር ኢትዮጵያ'ያ ይብሉ።ስለዝኾነ'ውን'ዩ ዝተቃወምዎ ኢሎም።

ኣቶ መስፍን ኣየነው ብወገኖም ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ኣውሮጳ ርክብ ኣለዋ።ድልየት ቻይና ሓንቲ ድንግል ሃገር ኢትዮጵያ ረኺበ'ለኹ እሞ ክምዝምዛ'የ ዝብል ዘይኮነስ ሓቂ ንምዝራብ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሓፈሻዊ ኢንቨስትመንት እቲ ዝተሓተ ኢንቨስትመንት ኣብ ኢትዮጵያ'ዩ ዘለዋ።ስለዚ ንፕሮፓጋንዳ ኢልካ ምዝራብ ፅቡቅ ኣይኮነን።ኢትዮጵያ ሎሚ መንገዲ ዝሰርሓላ መንግስቲ እንተመፂኡ እሞ እዚ መንግስቲ'ዚ ኣይ እዚ ሓገዝ ዝህበካ ዘለኹ እዚ ምስትገብረለይ'ዩ ኢሉ ንሃገራዊ ረብሓና ዝትንክፍ ኩነት ክሳብ ዘየቀመጠ ኣብ ልምዓትና ክንተሓባበር ንኽእል ኢና ይብሉ።

ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ኣጋይሽ ፍሉይ መደብ ዓርቢ ኮይኖም ዘለው ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ድጋፍን ተቃውሞን ድሕሪ ምስ ተካየደ'ዩ።በትረ ስልጣን'ዩ ዓዲሙ ኣዘራሪብዎም።

XS
SM
MD
LG