ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ ፖሊሲ ዝንአድ’ዩ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት`ውን እቲ ፖሊሲ ንማሕበረ-ሰብ ክልቲኤን ሃገራት ዘቀራርብ`ዩ ክብል ድሕሪ ምሙጓስ፡ ንኻልኦት ስደተኛታት`ውን ተመሳሳሊ ፖሊሲ ክትግበር ጸዊዑ`ሎ

“እዚ አወንታዊ ፖሊሲ’ዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ካምፕታት ክነብሩ ፀኒሖም’ዮም። መብዛሕተኦም ናብ ካልእ ዓዲ ንክኸዱ’ዮም ዝፅበዩ፡ ክሳብ ዝቐንዖም ኣብኡ ኾንካ ምፅባይ አይሰራሕ አይትምህርቲ ስለ ዝኾኑ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ዝምስገን’ዩ ክብሉ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ንማእከል ተቀበልቲ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ዝውክሉ ዶ/ር ፀሃየ ተፈራ ፕረዚደንት ማእከል ማሕበረ-ሰብ ኢትዮዽያ ተዛሪቦም።

ኣቶ ጴጥሮስ ተስፋ ጊዮርጊስ ካብ መድረክ ስደተኛታት ለንደን ብወገኖም፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ሰባት እቲ ህይወቶም ዳርጋ ዘርሞ ዘርሞ’ዩ ዝኸውን ዘሎ ፡ እዚ ብኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደትኛታት ተገይሩ ዘሎ ብፍላይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ብስለትን ናይ ምዕባለን መርአይ’ዩ ኢሎም።

ንምሉእ ትሕዝትኡ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተኸታተሉ

XS
SM
MD
LG