ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ናብ ንቡር ንኽምለስ መንግስቲ ቐጠር ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ሱዳን ከምትድግፍ ፕረዚደንት ዖማር ኣል በሽር ኣፍሊጦም


ብኻልእ ወገን፡ ኣብቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ቦምብ፡ 5ተ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ፕረሲደንት ሱዳን ዖማር ኣል በሽር ነዚ ዝገለጹ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቦም ኢዩ። እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናን ምዕባልኡን፡ ንጉዳይ ሓድነት ሱዳንን ኣብ መጀመርያ ዝመጽእ ዓመት ብዛዕባ ዝካየድ ረፈርደም ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ኹነታት ሶማልን ምዕባለታቱን ከምዝተዛተዩ፡ ኣስመራ ትርከብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሰናይት ሃብቱ ሓቢራ። ብዘይካ`ዚ ንልምዓት`ቲ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብ ቦታታት፡ ከምኡ`ውን ንኽልተኣዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዛት ከምዝተዘራረቡ`ውን ተገሊጹ`ሎ።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኢጋድ ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኡጋንዳዊት ኸተማ ካምፓላ ኣብዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ቦምብ ካብ ዝሞቱ ልዕሊ 75 ሰባት፡ 5ተ ኤርትራውያን ከምዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ መጥቃዕቲ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ቤት መግቢ ኢትዮጵያውያንን ራግቢ ክለብ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መዘናግዒ ቦታታትን`ዩ ተፈጺሙ። ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ዝኣመኑ ናይ ሶማል ዕጡቓት ኣል ሸባብ፡ ወተሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰለማውያን ሰባት ንዝፍጽምዎ ግፍዒ ሒነ ንምፍዳይ ኢና ፈጺምናዮ ክብሉ ሓላፍነት ወሲዶም ኣለዉ።

ንምሉእ ጸብጻብ ሰናይት ሃብቱ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ

XS
SM
MD
LG