ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መናእሰይ ንቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝገልፅ ምርኢት ስእሊ ኣቅሪቦም


ሜላትን ሚዛንን
ሜላትን ሚዛንን
ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከቡ 35 ሳኣልቲ መናእሰይ ዘሰናደእዎ ስብእና መለስ ዜናዊን ዘበርከትዎ ፍጻመታትን ዝነግር ምርኢት ስእሊ ቀዳመሰንበት(ካብ 9 ክሳብ 10ጥቅምቲ) ኣብ ሆቴል ሚላኖ ቀሪቡ።

ካብ መንጎ እቶም ስእልታት መንእሰይ ሚኪኤለ ካሕሳይ ርእሲ መለስ ዜናዊ ዝግንጸል መጽሓፍ ጌይሩ ብምስኣል መለስ ምንባብ ከምዝፈትውን ፍልጠት ከምዘለዎን ዝገልጽ እዩ ይብል።መለስ ሞይቱ ማለት ድማ ብጣዕሚ ዓብዪ ቤተመጻሕፍቲ ተባሪዑ’ሎ ማለት እዩ ብምባል የብርህ።

መለስ ንሃገሩ ካብ ብቢ ዝፈቱ ብኣንጻሩ ድማ ንድኽነት ካብ ልቡ ይጸልእ ምንባሩ ዝዛረብ ዝበሎ ስእሊ ሒዙ ዝቐረበ ሳኣላይ ኣለምገና መለስ ናይ ኢድ ስልኪ ሒዙ ኣብ ዝረአየላ ስእሊ መለስ ንልምዓት ዘበራበረሉ ኩነት እዩ ዝብል ትርጓመ ሂቡዎ’ሎ።

ዳርጋ ኣብ ኩሎም ስእልታት ግድብ ኣባይ ተሳኢሉ ይረአ፤እዚ ድማ ውጽኢት ኣመራርሓ መለስ እዩ ይብል ብመሰረት መብርሂ እቶም ሳኣልቲ።እቲ ምርኢት ስእሊ ብቀራጽን ሳአላይን ወልደኣብርሃ ዝተዋደደን ዝተመርሐን እዩ ነይሩ፡፡

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:33 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG