ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሴናል ኣርሰን ቨንገር: ህይወት ላይበርያዊ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረን ሎሚ ድማ መራሒ ሃገር ላይበርያ ኮይኑ ዝተመርጸ ጆርጅ ዊያ: ክትኣምኖ ዘጸግም ንኹሎም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ድማ ኣብነታዊ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።
ቨንገር ነዚ ዝገለጸ: ኣብዚ ቕንያት ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ: ንድሕሪት ተመሊሱ ተዘክሮታቱ ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መራሒ ሃገር ላይበርያ ክኸውን ዝተመርጸ ጆርጅ ዊያ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ'ዩ። ንሱ ናይ ፈለማ ፍልጠቱ ምስ ጆርጅ ዊያ ኣብ ሞናኮ ምዃኑ ብምጥቃስ: “ክመጽእ እንከሎ ቁሩብ ዝተደናገሮ ይመስል ነይሩ። ንወላ ሓደ ይፈልጥ ኣይነበረን። ከም ተጻዋታይ እውን ደረጃ ዝተዋህቦ ኣይነበረን። ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ: ኣብ 1995 ድማ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኮይኑ። ሎሚ ድማ መራሒ ሃገሩ ኮይኑ። ክትኣምኖ ዘጸግም ታሪኽ እዩ” ክብል ገሊጹ።
ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሴናል ኣርሰን ቨንገር ፥ ንጆርጅ ዊያ ኣብ ዝፈለጠሉ ግዜ ኣብ ላይበርያ ኩናት ሓድሕድ ምንባሩ ብምዝካር: ሽዑ “ማዕረ ክንደይ ብሃገሩ ከምዝተጸገመ ርእየዮ ኣለኹ። ከም ካልኣይ ነጥቢ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ህይወቱ ዝርአ ዝነበረ ፍቕሪ ሃገሩ እዩ። ብደቂ ሃገሩን ካልኦትን ምድንጋጽ የርኢ ነይሩ” ኢሉ።
ጆርጅ ዊያ መራሒ ሃገር ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣንቢርካሉ ትፈልጥ ዲኻ ተባሂሉ ቨንገር ኣብ ዝተሓተተሉ ዝሃቦ መልሲ ኣይፋሉን ዝብል መልሲ ሂቡ። ብመሰረት መግለጺ ቨንገር “ጆርጅ ዊያ ኣብቲ ግዜ’ቲ መራሒ ሃገሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን: ሎሚ ግን ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ ክኸውን ዝኽእል’ዩ ነይሩ” ኢሉ። “ኣብ ሃገሩ ኩናት ኣብ ዝነበረሉ ክበኪ ርእየዮ ኣለኹ” ዝበለ ኣርሰን ቨንገር “ እዚ ሕጂ ዝተበጽሐ ደረጃ ዘሐጉስ እዮ። ሓጎስ ዝመልኦ መሪሕነት ክኾነሉ ድማ ይምነ። እዚ ሰብዚ ንኹሎም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብነታዊ ክብል ድማ ይደሊ” ክብል ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ዊያ ዘለዎ ኣድናቖትን ሰናይ ምንዮትን ገሊጹ።
ህይወት ናይ ጆርጅ ዊያ ናይ ብሓቂ ሰሓቢ’ዩ። ክትኣምኖ ዘጸግም ብምኻኑ ድማ ብሉጽ ፊልም ክትዓየሉ ትኽእል ኢኻ ኢሉ።