ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ኣብ 90`ታት ብልጭ ዝበለ ናጽነት ፕረስ ኤርትራ ሎሚ ባይታ ዘቢጡ ይርከብ` -ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ


ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍትን፡ ብዘይገበን ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ንኸይቃላዕ ኽብል ኣይከውጽኦምን`ዩ ይብል

ኣሮን ብርሃነ መስራቲን ዋና ኣሰናዳእን ፈላመይቲ ናይ ውልቂ ጋዜጣ ዝነበረ`ዩ። ሎሚ ኣብ ስደት ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ኾይኑ `መፍትሕ` ትብሃል ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ትወጽእ ጋዜጣ የሕትም ኣሎ።

ብምኽንያት 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ንኹነታት ናጻ ፕረስን ደሞክራሲያዊ መስርሕን ኤርትራ ክግምግም ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “ ኣብ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ተሓታቲ ክገብር ዝኽእል ጋዜጣስ ይትረፍ፡ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ናጽነት`ውን የለን” ይብል።

ጋዜጠኛ ኣሮን ብተወሳኺ፡ ንፖለቲካዊ መስርሕ ባይታ ዘጣጥሕ ሃዋህው ከምዘየለን፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከምዝድረትን ይምጉት።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG