ዋሽንግተን —
ሰበ-ስልጣን ኣዘርባጃንን ተነጸልቲ ሓይልታት ኣርመንን ኣብቲ ኣከራኻሪ ጉዳይ ናጎሮኖ-ካራባክ (Nagorno-Karabakh) ሎሚ ረቡዕ 20 መስከረም 2023 ንምቍራጽ ተጻብኦ ተሰምሚዖም። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሰብ-መዚ ኣዘርባጃን ኣንጻር “ግብረ-ሽበራ” ኢሎም ዝጸውዑዎ ወታሃደራዊ ወፍሪ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ምጅማሮም’ዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ተነጸልቲ ሓይልታት ኣርመንን ኣዘርባጃንን ተጀሚሩ ዝነበረ ግጭት ብመንጎኝነት ሩስያ’ዩ ደው ኢሉ።
ንጉዳይ’ቲ ኣከራኻሪ ቦታ ኣመልኪቶም ክልቲኦም ወገናት ጽባሕ ሓሙስ ክዘራረቡ ተሰማሚዖም ምህላዎም ተፈሊጡ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ’ዚ ምትፍናን ኣመልኪቱ ንጽባሕ ሓሙስ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ምትፍናን ቀልጢፉ ክዝሕልን ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕን ጸዊዑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብስልኪ ምስ ፕረዚደንት ኣዘርባጃንን ቀዳማይ ሚንስተር ኣርመኒያን ትማሊ ሰሉስ ተዘራሪቡ ነይሩ። ኵላቶም ወገናት ንሰላማዊ መገዲ መፍትሒ ይጸቕጡ።
ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ኣብ ውሽጢ ኣዘርባጃን ዝርከብ ኰይኑ፡ ብብዝሒ ኣርመናውያን ዝነብሩዎ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ስፍራ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሩስያ ዓስኪሮም ምንባሮም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይጠቅስ።
ቅጥዒ