ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንባይቶ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተወዳደረ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣርካን ሃይለ -ካብ ከይዲ ምርጫ ባይቶ ዋሽንግተን ዲሲ ብዙሕ ተማሂረ ይብል


ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣባል ባይቶ'ታ ኸተማ ሕፁይ ኾይኑ ቀሪቡ። ኣብዚ ብዘይገለ ተመክሮ ከምዝቀረበን ንምረፁኒ'ውን እኹል ግዚ ከምዝሓፀሮን ዝገለፀሉ ምርጫ እንተዘይተዓወተ'ካ ብዙሕ ከምዝተማህረ'ዩ ገሊፁ።

ነባሪ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ አርካን ሃይለ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ 4-ዓመቱ ናብ አዲስ ኣበባ ምስ ወለዱ ከይዱ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ዕድሚኡ ናብ ኣሜሪካ መፂኡ።

ኣቶ ኣርካን ሃይለ ኣብ ኣሜሪካ ተማሂሩ ንዝሓለፉ ዳርጋ 11-ዓመታት ኣብ ሓደ ናይ ባዕሉ ናይ ሕጊ ትካል ይሰርሕ'ሎ።

ኣብዚ ምርጫ ንኽካፈል ዝደረኾ ኣብታ ከተማ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ምኻኑ ዝተዛረበ ኣርካን ሃይለ ኣብ ስርሖም ፅቡቅ ዘይኾኑ መማህራን ካብ ስርሖም ንምስንባቶም ድሕር ክንብል የብልናን ተሓታትነት ክህሉ'ለዎ ይብል።

ኣብዚ ውድድር ምርጫ ሓቢሮምኒ ዝተወዳደሩ ተሞክሮ ዘለዎም ብሞየኦም ኣብ ፖሎቲካ ዘለው'ዮም ሓደ ካብአቶ'ውን ቅድሚ ሎሚ ኣባል'ቲ ባይቶ ዝነበሩ'ዮም ዝበለ ኣቶ ኣርካን ሃይለ ካብዚ ከይዲ ንመፃኢ እንታይ ክገብር ንመን ክዛረብ ከምዘለኒ ተማሂረ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG