ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረና ትግራይ ስሩዕ ጉባኤ ከካይድ እዩ፡ ሓዲሽ መራሒ ክመርጽ`የ ይብል


ARENA TIGRAY
ARENA TIGRAY

ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ክልተ ጊዘ ዝተመረፀ መራሒ ወሪዱ ንሓዱሽ ተመራፂ ኣቦወንበር ከረክብ እዩ

ዓረና ትግራይ ንዴሞክራስን ሉኣላውነትን 3ይ ስሩዕ ውድባዊ ጉባኤ ጳጉሜን 2ን 3ን ኣብ ከተማ መቐለ ከካይድ እዩ፡፡

ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ክልተ ጊዘ ዝተመረፀ መራሒ ወሪዱ ንሓዱሽ ተመራፂ ኣቦወንበር ከረክብ እዩ ፡፡

ኣብቲ ቀዳመ ሰንበት ዝካየድ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ዓረና ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝፈፀሞም ዕማማት ብመልክዕ ፀብፃብ ቀሪቦም ዘተ ክካየደሎም እዩ ኢሎም ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡፡ ርብዒ ተሳታፋይ እቲ ጉባኤ እንድሕር ዳኣ ደጊፍዎ ፕሮግራምን ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ክመሓየሽ እዩ፡፡

ዓረና ዝምርሐሉ ስትራቴጂካዊ ትልሚ እውን ኣብቲ 130 ተወከልቲ ዝሳተፍሉ ጉባኤ ክፀድቕ እዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡
XS
SM
MD
LG