ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርቲ ዓረና ትግራይ - ኣባላተይ ተኣሲሮምኒ ኢሉ


Ethiopian Opposition Says Would-Be Candidates Arrested
Ethiopian Opposition Says Would-Be Candidates Arrested
ፓርቲ ዓረና ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማታት ኵሓን ኣይናለምን ህዝባዊ ኣኼባ ንምፅዋዕ ወፍሪ የካይዱ ዝነበሩ ኣባላተይ ንስዓታት ተኣሲሮምኒ ክብል ኸሲሱ።

ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ሓድነት/ኣይናለም ኣቶ ወለስላሰ ገ/ህይወት ዓረና ኣኼባ ከካይድ ዝፈተነ ፍቓድ ካብ ዝሓተቶዘ ከባቢ ወፃኢ ስለዝኾነን ኣይናለም ኣካል ምምሕዳር እንደርታ ከይኮነትስ ኣካል ከተማ መቐለ ስለዝኾነን ፖሊስ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ነገር ስለዘይነበሮ እቲ ኣኼባ ንዘዋደዱ ክሓትትን ክከታተልን ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቱ‘ዩ ኢሎም።

ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ትግራይ ዘምኣኑኤል ለገሰ እቲ ዝተብሃለ ጥርዓን ኣብ ፌስ ቡክ ተፃሒፉ ከምዝርኣዩዎን ናብኦም መፂኡ ዝጠርዐ ይኹን ዘመለከተ ኣካል ግን ከምዘየለን ሓቢሮም።ብዛዕባ እቲ መረረት ምስ ናይተን ከተማታት መሓውራት ፖሊስ ክዘራረበሉ እየ እውን ኢሎም ኮሚሽነር ዘእማኑኤል ለገሰ።
ቃለ-ምልልስን መልሲ ሰበ-ስልጣንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:52 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG