ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንመሪሕነት ዓረና-ትግራይ ዝኣገደ ኣኸባ ዝመረፆ ኣቶ ኣበበ መስፍን ካብ ኣባልነቱ ተባሪሩ ይብል ዓረና ትግራይ


ኣቶ ኣበበ ግና ዝተኣገደ መሪሕነት ንኣይ ክእግድ ስልጣን የብሉን ይብል

ብኣቶ ገብሩ ኣስራት ዝምራሕ ማእከላይ መሪሕነት ዓረና-ትግራይ ነቲ ብህፀፅ ኣኸባ ኣቦ-መንበር ኮይኑ ዝተመረፀ ኣቶ ኣበበ መስፍን ካብ ኣባልነት ዓረና ከምዝተባረረ ኣፍሊጡ።ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ - ኣቶ ኣበበ ኣብ ምብታን ዓረና ትግራይ መሳርሕ ካልኦት ሓይልታት ኮይኑ ፀረ ረብሓ'ቲ ውድብ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ተኣጊዱ'ሎ ኢሎም።

ኣቶ ኣበበ መስፍን ግና ንዓይ ዝመረፀ ሓፈሻዊ ዋዕላ'ምበር ሒደት ሰባት ኣይኮኑን፣ብዘይካ'ዚ እቲ ኣጊደ'ለኹ ዝብል ኣካል ንባዕሉ ዝተኣገደ ስለዝኾነ ተቀባልነት የብሉን ይብል።

ጉባኤ ዓረና-ትግራይ'ዩ ኢሉ ንርእሱ ዝሰየመ ዋዕላ ናይ መቐለ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝፀወዕ ህፁፅ ኣኸባ ብኣቶ ገብሩ ኣስራት ዝምራሕ ዝነበረ ማእከላይ ኮሚቴ ንጊዚኡ ተበቲኑ ተራ ኣባላት ኮይኖም ንክሰርሑን ድሕሪ 4 ወርሒ ስሩዕ ኣኸባ ተፀዊዑ ዳግም ምርጫ ንክካየድን ምውሳኑ ዝዝከር'ዩ።

ብዘይካዚ እቲ ኣኸባ ንኣቶ ኣበበ መስፍን ጊዚያዊ ኣቦ-መንበር ኢሉ ኣብ ክንዲ ኣቶ ገብሩ ኣስራት መሪፁ'ዩ።

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ'ቲ ፓርቲ ዝኾነ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ ግና፡ኣብ ልዕሊ'ቲ ፓርቲ ዝተፈፀመ ገበን ስለዝኾነ እቲ ፓርቲ ብሕጊ ከምዝፋረዶምን ናይ ካልእ ሓይሊ ድፍኢት ከምዘለዎን ገሊፁ ነይሩ።

ንቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ቃለ-ምልልስ ምስሕሓብ ዓረና ትግራይ የዳምፁ

XS
SM
MD
LG