ፅንፈኝነት ወይካኣ ኣኽራርነት ኣብ ኢትዮዽያ ይራኣይ‘ዶ ዝብል ገምጋም ኣለዎ ዓረና መድረክ ንዝብል ሕቶ”ናይ ፅንፈኝነት ምልክታት እንተዘይኮይኑ፣ናይ እስልምና ፅንፈኝነት ንኢትዮዽያ ናብ ሓደጋ ከውድቅ ዝኽእል ስግኣት ተፈጢሩ‘ሎ ዝብል ገምጋም የብልናን” ኢሎም ወኪል ዓረና-መድረክ ኣብ ትግራይ።
ንብረት ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝባሃላ ትካላት ትእምት (ትካላት እግሪ ምትካል ትግራይ) ተረቢሑ‘ዩ ኢልና ኣይንኣምንን ባሃላይ‘ዮም ኣቶ ብርሃኑ።
ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ቃለ-ምልልስና፣ኣቶ ብርሃኑ በርሀ፣ኣብ ትግራይ ናይ ተቃወምቲ ምንቅስቃስ ብማእሰርቲ፣መጥቃዕቲን ሞትን ዝልለ ኮይኑ ከምዝፀንሐን ፕረዚደንት‘ቲ ክልል ንቪኦኤ ዝሃብዎ መግለፂ ቅኑዕ ዘይምኳኑን ከምዝጠቀሱ ዝዝከር‘ዩ።
ኣቶ ብርሃኑ በርሀ ወሲኾም፣ኣብ ትግራይ ፀገም ብልሽውና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ንክወፅእ ዝቀረበሉ ኩነታት ከምዘሎ፣ቀንዲ ተፀይቆም ዘለው ድማ ፈፀምቲ ኣካላት‘የን ኢሎም።
ኣብ‘ዚ ቀረባ ምስ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ክልላዊ፣ሃገራዊን ዞባዊን ዛዕባታት ኣልዒልና ምዝርራብና ዝዝከር‘ዩ።