ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ንተወዳደርቱ ከም ጸላእቲ ዝሰርዕ ስርዓት`ዩ፡- ዓረና ትግራይ


50 ሚእታዊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ስራሕ-ንመግቢ ዝተባህለ ፕሮግራም ረድኤት ዝተመርኮሰ`ዩ ፡ መናእሰይ መሬት ዘይብሎም፡ ክልተ ሰለስተ ወሊዶም ፈቐዶ ስደት ዝነብሩ ቁጽርን ስፍርን የብሎምን

ቀዳማይ ምንስተር መለስ ዜናዊ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዘጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ዘሎ ሕገመንግስቲ ብዝግባእ ተቐቢሎም፡ ኣሚኖም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ክፍጠሩ ኣለዎም ኢሎም ኔሮም። ምኽትል ኣቦመንበር ዓረና-ትግራይ ንዴሞክራስን ልዑላውነትን ኣቶ ብርሃኑ በርሀ ብዛዕባ`ዚ ክምልሱ ኸለዉ፡ ሕገ-መንግስቲ ንባዕሉ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ኣብ ዓንቀጻቱ ኣስፊርዎ ስለዘሎ፡ ንሕገ-መንግስቲ ዘይኣመነ ኢልካ ምዝራብ ነቲ ሕገመንግስቲ ብግልባጡ ምንባብ`ዩ ኢሎም።

ኣቶ ብርሃኑ ኣተሓሒዞም፡ ኢህወደግ ዝኽተሎ ኣብዮታዊ ደሞክራሲ፡ ንተወዳደርቱ ከም ጸላእቲ ዝሰርዕ ስለዝኾነ፡ ሓንቲ ድምጺ`ውን ትኹን ናብ “ጸላእቲ” ክትከይድ ኣይደልን`ዩ ኢሎም። ከምኡ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ “መን`ዩ ንጸላእትና ድምጹ ዝሃበ እናተባህለ እናተገምገመ ይነብር ኣሎ” ኢሎም።

ኣቶ ብርሃኑ በርሀ፡ ብዛዕባ`ቲ ቀዳማይ ምንስተር መለስ፡ ዝቕጽል 5ተ ዓመት ኢኮኖሚና ብ15 ሚእታዊ ክዓቢ`ዩ ዝበልዎ ርኢቶኦም ክህቡ ኸለዉ፡ ክሳብ 50% ህዝቢ ትግራይ ብረድኤት እናነበረ እቲ ሽግር ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣየጸግምን ኢሎም።

ንምሉእ`ቲ ቃለመጠይቕ ነቲ ፕሮግራም ስምዑ

XS
SM
MD
LG