ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢ መተማ ገዛውትን ናይ ንግዲ ትካላትን ተቓጺሎም


ሓደ ስሙ ክግለፀሉን ብድምፂ ክዛረብ ዘይደለየን ካብ ዓብዲራፍዕ ከባቢ መተማ ምዃኑዩ ብተወለድቲ ትግራይ ዝውነኑ ብዙሓት ገዛውትን ናይ ንግዲ ትካላትን ተቓፂሎም ኣለው ኢሉ’ሎ።

ምስ ብዙሓት ሰባት ብምዃን ካብ ዓብዲራፍዕ ሃዲሞም ኣብ ከተማ ሑመራ ካብ መንጎ ዝርከቡ ዝረኸብኩዎም ሽዱሽተ ተወለድቲ ትግራይ እውን ንብረቶም ከምዝዓነወ ዝተኸደንዋ ክዳን ሒዞም ከምዘምለጡ ተዛሪቦምኣለው።

"ሰላም እንተኾይኑ ክንምለስ ኢና" ብዝብል ሽምና ኣይገለፅ ብድምፅና እውን ኣይናዝረብን ኢና ኢሎም ኣለው።

ቅልውላው ኣብዝርኣየሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኩነታት መብርሂ ክህበና ዝሓተትናዮ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ‘’ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ሱዳን ከምዝሃደሙ እዩ ዘለና ሓበሬታ። ኣብ ከተማ መተማ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐተሉ እውን ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፈሊጠ ኣለኹ’’ ይብል።።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብወገኑ​ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ: ብዛዕባ ዝተፈጥሩ ሓደሽቲ ምዕባለታት ፅባሕ መብርሂ ክንህብ ኢና ኢሎም ኣለው።

ኣብ ከተማ መተማ፣ኣምባጊዮርጊስ፣ዓብዲራፍዕን ካልኦት ከተማታትክ ህውከት ዕግርግን ከምዘሎን መኢኣድን ዓረና ትግራይ ገሊፆም። ኣብ ከተማ መተማ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ብርክት ዝበሉሰባት እውን ከምዝተቐትሉን ይግለፅ ኣሎ።

ብፍላይ ተቓዋሚ ውድብ መኢኣድ እቲ ህውከት ብሰፊሑ ከምዝቐፀለ ብምሓብር ናይ ደብረታቦ ቤት ምእሰርቲ ከምዝተቓፀለ ገሊፁ’ሎ።

ዝበፅሐ ዕንወትን መን ከምዘቃፀሎን ግን ኣይፍለጥን ኣብ ዝቕፅል ዝተፃረየ ሓበሬታ ከንህብ ኢና ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ምስ ዶብ ተኣሳሲሮም ዘለው ፀገማት ህውሓትን ብኣዴንን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተዘራሪቦም ክፈትሑዎ እዮም ኢሎም ርእሰ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣባይ ወልዱ።

ኣቦ መንበር ህውሓትን ናይቲ ክልል ርእሰ ኣማሓዳሪን ኣቶ ኣባይ ወልዱ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህዝብታት ትግራያን ኣምሓራን ብደም ዝተኣሳሰረ ፅኑዕ ርክብ ዘለዎም ህዝብታት ስለዝኾኑ ናይ ባዕሎም ኣጀንዳሕዞም ዝንቀሳቐሱ ፀረ ሰላም ዝበሉዎም ሓይልታት ንክልቲኡ ህዝብታት ንምፍልላይ ዝሓዝዎ ኣጀንዳ ኣይዕወትን ኢሎም ኣለው።

ኣብ ከባቢ መተማ ብዙሓት ገዛውትን ናይ ንግዲ ትካላትን ተቓፂሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:06 0:00

XS
SM
MD
LG