ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ሓደ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቲ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ (2ይ ክፋል)


Aregawi Berhe
’መሪሕነት ህወሓት ዳርጋ ሃሲሱ‘ዩ።ምኽንያቱ ናይ መለስ ኣምባገነናዊ ኣገዛዝኣ ንኩሉ ተቆፃፂሩ፣ገባርን ሓዳግን ኮይኑ፣ይትረፍ ንኣመራርሓ ኢህወዴግ ነቲ ህዝቢ ዝመረፆ ፓርላማ‘ውን ተቆፃፂሩ ድላዩ ዝገብረሉ ኩነታት‘ዩ ነይሩ‘ ይብሉ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ።

ኢትዮዽያ ሓደ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቲ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝብል ተዓዲሞም ቃለ-ምልልስ ዝሃቡን መስራታይ ህወሓት ዝኾኑን ዶ/ር ኣረጋዊ(በሪሁ) በርሀ፣ልዕልነት ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተረጋገፀ ብሓይልን ብተንኮልን‘ዩ ይብሉ።

ቀ/ሚ መለስ ጠርኒፎም ሒዞምዎ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ተበታቲኑ እዩ ዘሎ፣ነባራት መሪሕቲ በቢመንገዶም ዝኸድሉ ኩነታት ተፈጢሩ‘ሎ ኢሎም።

ጉዳይ ምስሕሓብ ኢትዮዽያን ኤርትራን ጀሚሮም ከይፈፀምዎ ሓሊፎም ኢሎም‘ውን ንኣቶ መለስ ዜናዊ ይነቅፉ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ።
ኣዳምጹ
please wait
Embed

No media source currently available

0:00 0:10:08 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG