ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ህወሓት/ኢህወዴግን ኢትዮጵያን ኣማእኪልና ተኸታታሊ ድምጺታትን ሪኢቶታትን ዝተፈላለዩ ወገናት ናባኻም ምቕራብና ብምቕጻል ምስ ክልተ ካብ 11 መስረቲ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ (ህወሓት) ዝነበሩ ክልተ ኣጋይሽ 1ይ ክፋል ቃለ ምልልስ ዓርቢ ከምዘቅረብና ዝዝከር’ዩ።
ዶ/ር ኣረጋዊን ኣቶ ግደይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወስዶም ይግባእ ኢሎም ዝኣመንሎም ተግባራት’ውን ይገልጹ። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝጀመሮ ከይዲ ምፍታሕ ‘ፖለቲካዊ እሱራት ብዘይምድንጓይ ክቕጽለሉ፣ ፖለቲካዊ ባይታ ከስፍሕ፣ ምስ ተቓወምቲ ኮፍ ኢሉ ዝዘራረበሉ መድረኽ’ውን ከመቻችው’ ይግባእ ይብሉ።
ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፣ ኣቶ ግደይ ዘርኣጽየን ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ተሓህት/ህወሓት ዝነበሩ’ዮም። ኣብ 1976 ዓም ኢትዮጵያ ካብ መሪሕነት ድሕሪ ምውራዶም ንዝሓለፉ 34 ዓመታት ኣብ ስደት ይነብሩ።