ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ምስ ዝነበረት ኣረጋሽ ኣዳነ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ


ኣረጋሽ ኣዳነ
ኣረጋሽ ኣዳነ
ኣብ መቀለ ዝተሰላሰለ ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት ቀ/ሚ ንዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ክብሪ ምሃቡን ንዐዖም ዘዘኻኽር ፍፃመታት ምልዓሉን ፅቡቅ ከምዝተገብረ‘ዩ ዝስማዓኒ፣ንቡር‘ዩ ትብል ናይ ቃልሲ ብፀይቶም ዝነበረት ኣረጋሽ ኣዳነ።

እንተኾነ ትብል ንሳ፣ብተደጋጋሚ ንኣቶ መለስ ዝዋሃብ ዘሎ ቦታ፣ሚዛኑ እቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ሰብ፣ዳርጋ ምንም ዘይተቃለሰ፣ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ኣመራርሓ ምንም ዘይገበረ፣ናይ ኩሉ ገባርን ሓዳግን ንሶም‘ዮም ነይሮም ዝብል ዘረባታት ግን ብወገነይ ኣይቅበሎን ኢላ።ህወሓት/ኢህወዴግ ይትግብሮ ንዘሎ መስርሕ ምትኽኻእ‘ውን ትነፅጎ ኣረጋሽ ኣዳነ።

ብምኽንያት መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት፣ኣቶ ብርሃነ ኪ/ማርያምን ወ/ሮ ትርፋ ኪ/ማርያምን ዓዲምና ኣብ ዝተፈላለዩ ነጥቢታት ምዝርራብና ይዝከር።

ኣረጋሽ ኣዳነ፣ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚት ህወሓትን ኢህወደግን ዝነበረት፣ዳሓር ኣብ‘ቲ ውድብ ብጠንቂ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ካብ ህወሓት ዝወፀትን ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዓረና ትግራይን ምኻና ይፍለጥ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:19 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG