ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ARDUF ሒዝዎም ዝነበረ ጀርመናውያን ቱሪስት ንዓበይቲ ዓድን ሰበ-ስልጣን ኢምባሲ ጀርመንን ከምዘረከበ ኣፍሊጡ


ክሳብ ሎሚ ዘይለቐቕናዮም መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተዓናቕፈና ስለዝጸንሐ`ዩ ብምባል ነቶም ቱሪስት ይቕረታ ከምዝሓተቱ ጸብጻባት ዜና ሓቢሮም

ARDUF(ኣርዱፍ) ዝተባህለ ናይ ዓፋር ዕጡቕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ዓፋር ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ተታሒዞም ዝጸንሑ ጀርመናውያን ቱሪስት፡ ኣብ ህልም ዝበለ በረኻ ዓፋር፡ ንዓበይቲ ዓድን ሰበ-ስልጣን ኢምባሲ ጀርመንን ከምዘረከበ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕብኡ ዛጊድ ዝበልዎ ምላሽ የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተፈጸመን 5ተ ቱሪስት ዝቐተለን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ዝፈጸምዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝለኣኾም ዕጡቓት`ዮም ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG