ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣርባምንጭ ቅድሚ ሰሙን ዝተኣሰሩ ሰባት ቤት-ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ኣዝማድን ነበርቲን ይገልጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ኣርባምንጭ ብዝተፈጥረ ግጭትን ቅትለትን ብዝተሓሓዝ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ሓደ ሰሙን እንተቁጸሩ`ኳ፡ ቤት -ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ ነበርትን ኣዝማዶምን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ`ቲ ወረዳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝተወሰኑ ሰባት ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ድሕሪ ምሕባር እቲ ገበን ከቢድ ብምዃኑ ኣብ መስርሕ መርመራ ከም ዝርከብ ሓቢሩ`ሎ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ጋሞ ኮማንደር ደግፌ ደበላ ነቶም ብምጥሓስ ሕጊ ዝጥርጠሩ ሰባት ንምሓዝ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ናብ ሓይልታት ጸጥታ ተኹሲ ካብ መንጎ ዝኸፈቱ፡ ሸውዓተ ክቕተሉ ከለዉ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ሓቢሩ። ምንጪ`ቲ ግጭት ሻራ ትብሃል ቀበሌ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ትካለል ንዝብል ውሳነ ኣይንቕበልን ብዝበሉ ወገናት ምዃኑ ይጥቀስ።

ብሰንኪ `ዚ ድማ ልዕሊ 200 ሰባት ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ነበርቲን ኣዝማድን ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG