ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደራሲትን ገጣሚትን አራሰለስ ግርማይ፡ ጋሻ መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣሜሪካ


ኣብ ክፍለ-ግዝአት ካሊፎርንያ ከባቢ ከተማ ሳንታ ኣና ተወሊዳ ዝዓበየት ኣራሰለስ ግርማይ ቀዳማይ ድግሪአ ካብ ከነትኬት ኮሌጅ ማስተርስ ድግሪአ ኸአ ካብ ኒዮርክ ዩኒቨርስቲ ተቀቢላ።

አራሰለስ ኣካል'ቲ ትምርታ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብምኻድ ምፅናዕ'ውን ዝሐወሰ ምንባሩ'ያ ትዛረብ። ኩሉ ግዜ ምንባብ ኣዝየ'የ ዝፈቱ ዝበለት አራሰለስ ስነ-ጥበብን ታሪኽን ብጣዕሚ'ዩ ዝማርኸኒ ትብል።

ብቆልዓይ ከለኹ ንባዕለይ ዛንታታት ይፅሕፍ'ካ እንተነበረኩ ናብ ሕትመት ክበፅሕን ሞያይ ክኸውን'ዩ ዝብል ሕላነ አይነበረንን ዝከአል'ውን ኣይመስለንን ኔሩ።

አራሰለስ ክልተ መፅሕፍቲ አሕቲማ ናብ ዕዳጋ ከምዝበቅዔትን ሳልሳይ መፅሓፋ'ውን ኣብ ቀረባ ናብ ዕዳጋ ከምዝውዕል ገሊፃ'ላ።

ናይ ዩኒቨርስቲ መምህር ዝኾነት አራሰለስ ግርማይ ዝፀሓፈቶም መፃሕፍቲ ኩሎም ብቛንቋ እንግሊዝኛ'ዮም።

XS
SM
MD
LG