ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ዋዕላ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶርያን ፍልስጤምን የተኩር


መበል 29 ዓመታዊ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ዳህራን ይካየድ ኣሎ:ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኹናት ምስ ኢራን፥ ኹናት ሓድ ሕድ የመን፥ ኹናት ሶርያ፥ ኣብ ሊብያ ዘሎ ወታሃደራዊን ፖለቲካዊ ክፍፍልን ኣፍልጦ ኣሜሪካ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራ ኤል ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ዋዕላ እዮም።

ነቲ ዋዕላ ዝመርሑ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ኣብ ጉዳይ ከተማ እየሩሳሌም ዘተኾረ ክኾኑ ከለው ኢራን ኣብ ጉዳይ ሃገራት ዓረብ ጣልቃ ትኣትው ኣላ ክብሉ’ውን ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ብኢራን ዝድገፍ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ’ዩ ዝበልዎም ዕጡቓት ሑቲ ንኹናት የመንን ናብ ስዑዲ ዝተተኮሱ 17 ሚሳይላት ተሓተቲ እዮም ድሕሪ ምባል ኣሜሪካ ነዚ ጉጅለ ክትኹንን ጸዊዖም።

ሓላፊ ዓረብ ሊግ ኣሕመድ ኣቡል ፕረዚደንት ትራምፕ ንከተማ የሩሳሌም ኣፍልጦ ምሃቦም ንኩነታት ሶርያ ምንእኣሶምን ግጉይ ስጉምቲ’ዩ ኢሎም ።ንሶም ብተወሳኺ ንመንግስቲ ሶርያ ‘ውን ኮኒኖም።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልአዚዝ ሲሲ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ዓረብ ሃገራት ዘካየድኦ ጣልቃ ምእታው ደው ከብላ ዝጸውዑ ክኾኑ ከለው ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓመድ አባስ ድማ ምብራቅ እየሩሳሌም ዋና ከተማ ፍልስጤም ኮይና ከምትቅጽል ገሊጾም።

ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ መንጎ ሃገራት ውሽመጥ ግብጺን ቐጠርን ዘሎ ውጥረት ከምዘየልዓሉ እንተኾነ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ኣኼባ ግን ተላዒሉ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG