ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ዓረብ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ እንከለዉ ዳግም ንምህናጻ ይሰማምዑ


ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ
ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ

ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዝተጸውዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ፡ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ኣብ ቦታኦም እንከለዉ፡ ነቲ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ዳግም ኣብ ምህናጽ ዝብል ውጥን ተሰማሚዖም። ደምበ ሃገራት ዓረብ ንዳግመ-ሕወየት ቓዛ ኣስታት 53 ቢልዮን ዶላር ክስልዕ እንከሎ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንነበርቲ ቓዛ ናብ ካልእ ጎረባብቲ ሃገራት ኣግዒዝካ ንወሽመጥ ቓዛ ብምምሕዳር ኣመሪካ ምህናጽ ንዝብል ንድፊ ዝጻረር’ዩ።

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ወሃብ-ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብሪያን ህዩስ ነቲ ብግብጺ ዝተኣመመ መደብ ዘለዎ ተቓውሞ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምስፋን ምስ ካልኦት ኣካላት ንምዝርራብ ዘለዎም ድሉውነት ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ምላሽ ነቲ መደብ ዘለዎ ተቓውሞ ኣስፊሩ።

ግብጺ፡ ነበርቲ ቓዛ ናብ ካልእ ከይግዓዝካ ነታ ወሽመጥ ብ2030 ምሉእ ብምሉእ ምሕዳሳ ከም ዝክኣል ትኣምን።

ዋና ጸሓፊ ሊግ ዓረብ ኣሕመድ ኣቡል ጌት፡ እቲ ደምበ ንዝወሰዶ መርገጺ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ዓቃብ-ሰላም ናብቲ ቦታ ኣዋፊሩ ተግባራዊ ክግብሮ ጸዊዑ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG