ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዝተነብረ እገዳ ንጽላት ቱሪዝም ዶሓ ጸልዩ


ፋይል- ዶሃ-ቐጠር
ፋይል- ዶሃ-ቐጠር

ብኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዝተነብረ እገዳ ንጽላት ቱሪዝም ብሓፈሻ ንሆቴላት ርእሰ ከተማ ዶሓ ብፍላይ ከምዝጸለወ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ስዑድ ዓረብ: ሕቡራት ኢማራት: ባሕረይንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ቐጠር ምስ ደገፍ ንግብረሽበራውያን ብዝተተሓሓዘ ዘንበርኦ እገዳ ብፍላይ ኣብዚ ቕንያት ዒድን ጾመ ሮመዳን ምሉእ ከምዝኸውን ዝፍለጥ ዝነበረ ሆቴላት ዶሓ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ተገሊጹ።

ብመሰረት ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣብ ቅንያት በዓል ዒድን ሮመዳንን ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ምዃኑ’ዩ ኣስታት 57 ሚእታዊት ጥራይ ኣብ ሆቴላት ምንቅስቓስ ከምዝተራእየ ገሊጹ። ዒድን ሮመዳንን ቤተሰብ ምእመናን ምስልምና ብሓባር ኮይኖም ዝጽልዩሉን ጾም ዝፈትሕሉን ዝዘናግዕሉን ጊዜ እዩ።

ሮይተር ንሓደ ኣባል በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: እቶም ነቲ ሆቴላት ዝመልእዎ ዝነበሩ በጻሕቲ ዝበዝሑ ካብ ስዑድ ዓረብን ባሕረይንን ምንባሮምን: ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምዘየለ’ውን ሓቢሩ። መንግስታዊ ማዕከን ዜና ቐጠር ማለት ኣገልግሎት ዜና ቐጠር QNA ግን እቲ ኣሃዝ በጻሕቲ ኣብ ሆቴላት ዶሓ ልዕሊ 97 ሚእታዊት ከምዝነበረ ብምግላጽ: ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ነጺግዎ ኣሎ። ብመሰረት መግለጺ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ቐጠር QNA ናይ ሎም ዘበን በጻሕቲ ካብ ዖማንን ኩወይትን ምንባሮም’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ መጎዓዝያ ነፈርቲ ዝበዝሑ በጻሕቲ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ብምንባሮም እቲ መጠን በዚ እገዳ ክጎድል ምዃኑ’ዩ ተኣሚቱ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ እቲ መጠን ምጉዳል 27 ሽሕ ተጎዓዝቲ ኣብ መዓልቲ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ። ይኹን’ምበር ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓማድ ዝተዋህበ ኣሃዝ ካብ ሰነ 19 ክሳብ ሰነ 25 ቁጽሪ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተጠቕሙ ተጎዓዝቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ቕንያት ዒድ ሮመዳን’ውን ብተመሳሳሊ “ኣዝዩ ብዙሕ” ምንባሩ ተሓቢሩ።

ምስ ቱሪዝም ተተሓሒዙ ዝኸይድ ቐጠር ኣብ 2022 ዓ.ም እተንግዶ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም’ዩ። ይኹንምበር ኣዳላዊት ኮሚቴ ዛጊት እቲ እገዳ ንመስርሕ ምዳላዋት ናይቲ ቐጠር እተአንግዶ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2022 ዓ.ም ከምዘይጸለወ ብተወሳኺ ተጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG