ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ፀረ-ግብረሽበራ ኬንያ ሓላፍነታዊ ኣገባብ ግብረ መልሲ ክህቡ ጻውዒት ቀሪቡ


ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢድ ሓይልታት ፀረ-ግብረሽበራ ኬንያ ዓሰርተታት ሰባት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ህይውማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ሎማዕንቲ ረቡዕ ገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ምስ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ርክብ ኣለዎም ብዝብል እንተወሓደ ን34 ሰባት ከምዝኣሰሩ ይገልፅ እቲ ፀብፃብ።ይኹን እምበር ዋላ ሓዲኦም እውን ክሲ ኣይቀረቦምን ብመሰረት እቲ ፀብፃብ።

ኣባላት ስድራ እቶም እሱራት ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፈልጡ ይገልፁ።

ቅድም ክብል ብሓይልታት መንግስቲ ናይ ዝተኣስሩ 11 ሰባት ሬሳ ምስ ተረኸበ ብዛዕባ ካልኦት ሃለዋቶም ዘይተገልፁ ኣሰኪፉ’ሎ።

ኬንያ ከቢድ ናይ ፀጥታ ፈተናታት ከምዘለዋ ዘጠራጥር’ዃ እንተዘይኮነ ሰበስልጣን ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ግብረ መልሲ ክህቡን መስርሕ ሕጊ ክኽተሉን ኣለዎ ይብሉ ኣብ ህይውማን ራይትስ ዎች ፈፃሚ ዳይረክተር ኬን ሮት።

XS
SM
MD
LG