ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንጻር ግበረሰዶምነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ክካየድ እዩ ፡ እቲ ሰልፊ ብናይ እግሪ ጉዕዞ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ


Ethiopians participating in anti-government demonstration in capital city Addis Ababa, June 2, 2013. (Marthe van der Wolfe/VOA)
Ethiopians participating in anti-government demonstration in capital city Addis Ababa, June 2, 2013. (Marthe van der Wolfe/VOA)
ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካይድዎ ሰልፍን ናይ እግሪ ጉዕዞን ዕላኣምኡ ብዛዕባ ግብረሰዶምን ካልኦት ሓደሽቲ ዝመፁ ባህልታትን ግንዛበ ንምፍጣር እዩ ኢሎም ኣዳለውቲ ማሕበራት።ክልቲኦም ማሕበራት ሎማዕንቲ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ግበረሰዶማዊነት ክውገዝ ዘለዎ እዩ ኢሎም ኣለው።
ማህበረ-ወይንየ ኣቡነ-ተክለሃይማኖት ዝተብሃለ መንፈሳዊ ማሕበርን ናይ ኣዲስ ኣበባ መናእሰይ ፎረምን ዝቕፅል 18 ሚያዚያ 2006 ዓ/ም ንዘካይድዎ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ ምድላው ተጀሚሩ’ሎ።

ክልቲኦም ማሕበራት ሎማዕንቲ ሓሙስ ብሓባር ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣቦ መንበር ናይ ኣዲስ ኣበባ መናእሰይ ፎረም ፀጋየ ገብረፃዲቅ ዕላማ እቲ ጉዕዞ ብዛዕባ ግብረሰዶምን ካልኦት ናብታ ሃገር ዝኣተው ሓደሽቲ ባህልታትን ንህዝቢ ግንዛበ ምፍጣር እዩ ይብል።እቲ ሰልፊ ንምክያድ ዝተመረፀሉ ግዜ እውን ምስ ዝኾነ ይኹን ርክብ የብሉን ኢሉ’ሎ ፀጋየ።

ድሕሪ ፅባሕ ቀዳም ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ናይ ፓናል ምይይጥ ከምዝካየድ እቶም ኣዳለውቲ ሓቢሮም ኣለው።ኣድላይነት እቲ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማህበረ-ወይንየ ኣቡነ-ተክለሃይማኖት መምህር ደረጀ ነጋሽ ኣስዒቦም ’’ግብረሰዶማዊነት ታሪኽ ዘበላሽው፣ብባህሊ ፍንፉን፣ጠንቂ ጥዕና፣ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዘሳጥሕ፣ብፍላይ ድማ ንምስፍሕፋሕ HIV በሪ ዝኸፍት እዩ’’ኢሎም።

ብባህሊ ፀያፍ፤ብናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ገበን፣ከምኡ እውን ትውልዲ ንኸይቕፅል ዝገብር እዩ ዝበሉ መምህር ደረጀ ዝተፈላለዩ መደንዘዚ ዕፃት ዝጥቀሙ ነዚ ዝተቓልዑ ስለዝኾኑ ነቲ ህዝቢ ንምብርባር እዩ ኢሎም።’’ሴፍ ቱሪዝም’’ ግበረሰዶማዊነት እናስፋሕፍሐ ስለዝኾነ ህዝቢ ትኹረት ንኽገብረሉ ሓቲቶም መምህር ደረጀ።

ሸቶና ንመንግስቲ ንምቅዋምን ምሕታትን ከይኮነስ እቲ ህዝቢ እንታይነትን ጉድኣትን ግብረሰዶም ክፈልጥ ምግባርን ፈለጡ ሕቱኡ ምስኾነን መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ክምልስ እዩ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ንርከብ ተመሳሳሊ ፆታ ኣይድግፍን ዝበሉ እቶም ኣዳላውቲ እዚ ንባዕሉ ናይ መንግስቲ መርገፂ ከምዘንፀባርቕ ገሊፆም ኣለው።
XS
SM
MD
LG