ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረሰዶማዊነት ንምቅዋም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ሰልፊ ተሰሪዙ


Addis Ababa - City Council
Addis Ababa - City Council
ግብረሰዶማዊነትን ሓድሽቲ ዝመፁ ባህልታትን ንምክልኻል ብዝብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምስራዙ ካብ ኣዳለውቲ ማሕበራት ሓደ ኣፍሊጡ።ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ግን መግለፂ ኣይትወሃበን።

ን18 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ተታሒዙ ዝነበረ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምዘይካይድ ዝገለፀ ካብ ክልቲአን ኣዳላውቲ ማሕበራት ሓደ ናይ ዝኾነ ማህበረ-ወይንየ ኣቡነ-ተክለሃይማኖት ኣቦ መንበር መምህር ደረጀ ነጋሽ እዩ።

ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ብቕድሚ ትማሊ ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ፓናል ምይይጥ እውን ከምዝተሰረዘ መምህር ደረጀ ሓቢሩ’ሎ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ኣመራርሓ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ መናእሰይ ፎሮም ሪኢቶ ኣይተወሃበን፤ንምርካብ ዝተገብሩ ፃዕሪ እውን ኣይሰለጠን።

ብዛዕባ ምስራዝ እቲ ሰልፊ ዛጊድ ዋላ ሓደ መግለፂ ኣይተውሃበን:; መምህር ደረጀ እቲ ጉዕዞ ዝተሰረዘ ንሱ ምስ ዝመርሖ ማሕበር ብዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይገልፅ።ናይ ቤተ ክህነት ሰባት ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጠጠው ንምባል ናብ ናይ ኣዲስ ኣበባ መናእሰይ ፎረም ከምዝኸዱን ማህበረ-ወይንየ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዝተኣገደ ሰልዝኾነ ኣይውክለናን ከምዝበሉዎምን ሰሚዐ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።
ማሕበሩ ሕጋዊ ይኹን ኣይኹን በዘየግድስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሰልፊ ከካይድ እንተሓቲቱ ሓገዝ ክግበረሉ ምተገብአ ነይሩ ምስ በለ ኣስዒቡ ‘’ንሕና ካሊእ ዕላማ የብልናን።ጉድኣቱ እናዓበየ ስለዝመፀ እቲ ህዝቢ ግንዛብ ክህልዎን ትኹረት ክግበረሉን ንምሕባር እዩ’’ ኢሉ።

እቲ ማሕበር ኣብ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ሸዋ ንዝርከብ ገዳም ወይንየ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ንካልኦት ገዳማትን ንምሕጋዝ ብዝብል ኣብ 1987 ዓ/ም እዩ ተጣይሹ።
ናይዚ ማሕበር ኣመራርሓ ብፍላይ ካብ 2001 ዓ/ም ጀሚሩ ምስ ገለ ናይ ቤተክህነት ሓልፍቲ ዘይምርድዳእ ከምዝነበሮ እውብ መምህር ደረጀ ይገልፅ።

ካብ ቤት ፅሕፈት መነበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊ ተወህዶ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ዜጋታቱ እቲ ሰልፊ ኣብዝካየደሉ ቦታ ንኸይርከቡ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲቡ።እቲ ሰልፊ ቅድሚ ምስራዙ ዝወፀ መተሓሳሰቢ እቲ ኤምባሲ ከምዝገለፆ ሰላማዊ ንክኾኑ ዝተሓሰቡ ሰልፍታት እውን እንተኾኑ ናብ ወጥርን ህውከትን ከምርሑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ’ሎ።
XS
SM
MD
LG