ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ ብጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ተዘኪሩ


ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ - ኣስመራ
ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ - ኣስመራ

ብምኽንያት ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተሪያ ኣብ ኤርትራ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ይወሃብ ኣሎ።

"መድሃኒት ቅድሚ ምውሳድና፡ንበዓል-ሞያ ጥዕና ንወከስ" ብዝብል ቴማ ካብ 13-19 ሕዳር, 2017 በደረጃ ኣህጉር ዘካየድ ዘሎ ቅነ ጸረ-ነፍሳት፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ብምዕባይ፡ ርትዓዊ ተጠቃምነት መድሃኒት ጸረ ነፍሳት ኣብ ሕብረተሰብ ንምዕባይ ከምዝኾነ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገ/ትንሳኤ ገሊጾም።

ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገ/ትንሳኤ
ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገ/ትንሳኤ

ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆሴፊን ናምቦዘ ብወገነን፡ መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ብሰንኪ ግጉይ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ፡ኣድማዕነት ኣፈዋውሳ ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ሓቢረን። በሰንኪ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ጸረ ባክተሪያ መድሃኒት፡ዓመታዊ ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ፡ መግትኢ ስጉምቲ እንተዘይተውሲዱ ፡ኣብ 2050 እቲ ቁጽሪ ናብ 10 ሚሊዮን ክብ ክብል ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ ሓበሬታ የነጽር።

ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆሴፊን ናምቦዘ
ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆሴፊን ናምቦዘ

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG