ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመንቲ እስልምና ነጋድያን ምብጻሕ ሓጅ ይጽንብሉ


ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ክሳብ ቀዳም ዝቕጽል ጽንብል ምብጻሕ ሒጃ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብዝተጓዕዙ ነጋድያን ይኽበር ኣሎ።

ሰሉስ፡ ናብቲ ዓመታዊ ንግደት ተጓዒዞም ዝመጽኡ ኣመንቲ፡ ከም ኣከባብራ እቲ ዕለት ናብቲ ናይ ሰይጣን ምልክት ዝርአ ዓንዲ ኣእማን ክድርብዩ ይርኣዩ። ከም እምነት እስልምና፡ እቶም ነጋድያን ናብቲ 25 ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ ሕማቕ ምልክት መርኣያ፡ 21 ደናጉለ ይድርብዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ሓጅ ምስቲ ሎሚ ተዘኪሩ ዝውዕል ዒድ-ኣልኣድሓ ተጋጢሙ’ዩ ውዒሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG