ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካዊያን ንመበል 22 ዓመት መጥቓዕቲ 11 መስከረም ይዝክሩ


ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት
ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት

ኣመሪካዊያን ሎሚ ሰኑይ 11 መስከረም 2023 መበል 22 ዓመት መጥቓዕቲ መስከረም 11 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ከተማታትን ዘኪሮም ።

ገለ ካብቲ ዝኽሪ ዝተኻየደሎም ቦታታት መጥቓዕቲ ዝተኻየደሎም ከተማታት ኒው-ዮርክ ፣ ቤት ጽሕፈት ምክልካል ኣመሪካ ፔንታጎንን ከተማ ኣርሊንግተን ቨርጂንያን ሻንክስቪል ፔንስልቫኒያን ካልኦትን ይርከብዎም። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣላስካ ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ መደብር ኣንግረጅ ዝዳሎ ስነስርዓት ክሳተፉ እዮም።

ኣብ 11 መስከረም 2001 ዝተጨወያ ነፈርቲ ኣብ ክልተ ህንጻታት ከተማ ኒው-ዮርክን ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ህይወት ኣስታት 3,000 ሰባት ምጥፋኡ ይዝከር። እዚ ፍጻመ ንናይ ኣመሪካ ፖሊሲ ወፃኢን ውሽጢን ቀይሩዎ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG