ዋሽንግተን —
ቱርኪየ ምስ ሶማልያ ምትሕብባር ተዕሙቕ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን`ዚ ድማ ጸጋታት ጸዓት እትድህስስ መርከብ ናብ ሶማልያ ኣበጊሳ`ላ።
እንተኾነ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝንህር ዘሎ ውጥረት፡ ነቲ ኣንካራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ህንጡይነት ኣብ ስግኣት ከእትዎ ይኽእል`ዩ።
`ኦሩክ ረይስ` ዝተባህለት ዳህሳሲት መርከብ ቱርኪ፡ ብመራኽብ ኵናት ተዓጂባ ካብ ኢስታንቡል ናብ ሶማልያ ተበጊሳ`ላ። ዕላምኣ ነቲ ኣብ ሶማልያ ኣሎ ተባሂሉ ዝእመን ሰፊሕ ጸጋታት መጽናዕቲ ንምክያድ`ዩ።
እቲ ተበግሶ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ቱርኪየን ሶማልያን ዝተገብረ ውዕል ጸጥታን ኤነርጅን `ዩ። ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ድማ መርኣያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝድንፍዕ ዘሎ ምሕዝነት`ዩ። እንተኾነ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ምትፍናን ንራኢታት ኣንካራ ከስግኦ ይኽእል`ዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ