ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንጌላ መርኬል: ጀርመን ንስደተኛታት ዶባታ ምኽፋታ ጠጠው ክተብል ንዝቐረበ ጻውዒት ነጺገንኦ


ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርኬል: ጀርመን ንስደተኛታት ማዕፁኣ ምኽፋታ ጠጠው ክተብል ንዝቐረበ ፃውዒት ብትሪ ነፂገንኦ።ንሰን ነዚ ዝገለፃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብታ ሃገር ብዙሓት መጥቓዕትታት ምፍፃሞም ስዒቡ እዩ።

መርኬል ሎማዕንቲ ሓሙስ ከምዝበልኦ እቶም ኣጥቓዕቲ ማሕበራዊ መንነታትናን ንሰባት ናይ ምቕባልን ምሕጋዝ ባህልናን ንምፍትታን እዮም ዝደልዩና ዘለው፤ነዚ ብፅኑዕ ንነፅጎ ኢለን።

ኣብ ቀረባ ኣብ ጀርመን ዝተፈፀሙ ኣርባዕተ መጥቓዕትታት ዘሰንብድ፣ዘሕምምን ዘሕዝንን እዩ ክብላ ብምፅዋዕ ይኹን እምበር እቲ ጉዳይ ካብ ናይ ሰበስልጣን ቁፅፅር ወፃኢ ኮይኑ’ሎ ማለት ግን ኣይኮነን ኢለን።

ካብ 18 ሓምለ 2016 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ብዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ኣርባዕተ ኣጥቓዕቲ ሓዊሱ 15 ሰባት ሞይቶም ዓሰርተታት ድማ ቖሲሎም ኣለው።

ነቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝፈፀሙ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ ሓተቲ ዕቑባ እንትኾኑ ዳዕሽ ክልቲኦም መጥቓዕትታት ኣነ እየ ፈፃሚኡ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG