ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ ኣብ ዝተኣሰሩሉ ተደብዲቦም


እቲ ገበን ንክፃረይ ፓርቲ ኣንድነት ፀዊዑ

ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባል ኣንድነት ፓርቲ ኢትዮዽያ ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ፣ኣብ ዝተኣሰሩሉ ስፍራ ንህይወቶም ዘስግእ ደብዳብ ከምዝተፈፀሞም ገሊፁ።

ብመሰረት‘ቲ መግለፂ ኣቶ ኣንዱዓለም ዝሓለፈ ረቡዕ ኢባስ ኣስፋው ብዝተባሃለ መታእስርቶም ከምዝተደብደቡን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ቀልቦም ከምዝጠፍኦምን ኣንድነት ኣፍሉጡ።

መግለፂ ዝሃቡ ሰበስልጣን ኣንድነት፣ኣቶ ኣንዱዓለም መንግስቲ ከጥፋኣኒ ይደሊ‘ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ ይብሉ።ኣባል ኣመራርሓ ኣንድነት ዶ/ር ሃይሉ ኣርኣያ ”ንሕና ክሳብ ዝርዳና፣ኣንዱዓለም ንህይወቱ ይፈርሕ‘ዩ። ከጥፍኡኒ‘ዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎ።ናብ ሆስፒታል ወሲዶም እንታይ ከምዝገብሩኒ‘ውን ስለዘይፈልጥ፣እምነት ስለዘይብለይ ንካልእ ፀገም እንተዘይተቃላዕኩ ይሓይሽ ዝብል ፍርሒ ኣለዎ።ክቀትሉ ይደልዩ‘ዮም፣ ክቀትሉኒ‘ዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎ።ብጠንቂ‘ዚ ምኽንያት‘ዚ‘ዩ ናብ ሆስፒታል ኣይከይድን ዝበለ።ፃዕሪ ይቅፅል ኣሎ” ኢሎም።

ነቲ ደብዳብ ፈፂሙ ዝባሃል ኣቶ ኢባስ ኣስፋው፣ነብሲ ኣጥፊኡ ብሞት ንክቅፃዕ ዝተበየኖን ዳሓር ግና እቲ ፍርዲ ናብ ሙሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ተማሓይሹሉ ዝርከብ ሰብ ምኻኑ‘ውን ኣንድነት ገሊፁ‘ሎ።

ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣንዱዓለም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንክፃረይን ስጉምቲ ንክውሰድን‘ውን መግለፂ ኣንድነት ፀዊዑ‘ሎ።

ኣብ‘ቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ንኣቦ-መንበር‘ቲ ፓርቲ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ‘ውን ተረኺቦም ነይሮም ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG