ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ፀሓፊ 7-ግንቦት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣትዮም


አቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ
አቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ

ዋና ፀሓፊ ሸውዓተ ግንቦት አቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ኢትዮዽያ ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

ቴሌቭዥን ኢትዮዽያ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ዝፈነዎ ዜና፣ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተፈላለየ መፀውዒ እናተጠቀሙ ኣብ ኤርትራ ዓሪዶም ከምዝፀንሑን፣ምስ ሻዕቢያን ካልእ ፀላኢ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝኾነት ሃገርን ተሓባቢሮም፣ፈጠርቲ ራዕዲ ብምውዳድን ብምዕላምን፣ንናይ ሃገር ሰላም ንምዝራግን ምዕባለ ንምትዕንቃፍን እናሰርሑ ፀኒሖም‘ዮም ይብል።

ኣብ መእተዊ‘ቲ ዜና፣ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ፣ኣዝየ ደኺመ‘ለኹ፣ዕረፍቲ ጥራሕ‘ዩ ዘድልየኒ።ኣብ ልበይ ሓንቲ ፅልኣት ዝባሃል የብለይን ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምስ ሸውዓተ ግንቦትን ቴሌቭዥን ኢሳትን ይተሓባበሩ ነይሮም ዝተባሃሉ ካልኦት ሰባት‘ውን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝተታሓዙ ቴሌቭዥን ኢትዮዽያ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ወሲኹ፣ዜግነት ካልእ ሃገር ምሓዝ፣ኣባል ፖለቲካዊ ፓርቲ ምኳን፣ጋዜጠኝነትን ካልእን ከውሊ ገይርካ ኣብ ግብረ ሸበራ ምስታፍ ብሕጊ ተሓታቲ ካብ ምኳን ኣየድሕንን ይብል።
\

XS
SM
MD
LG