ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይርከቡ”አቶ ክንፈ ሚካኤል


ዋና ጸሓፊ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ

ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዝርከቡ ዋና ጸሓፊ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ተአሲሮም አለው ክብሉ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ቀረባ ጊ ዜ ዝተፈትሑ አባል ኣመራርሓ ተቃዋሚ ፓርቲ መኢኣ ድ አቶ ክንፈ ሚካኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኩነታት አቶ አንዳርጋችው ጽጌ ካብቲ ዝተአሰርኽሉ ኮይነ ብማዕዶ ብንእሽ ተይ ቀዳድ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ይከታተሎ ኔረ ክብሉ አቶ ክንፈ ሚካ ኤል ሓቢሮም።

አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ከተማ ሰንዓ ተጨውዮም ናብ ኢትዮጵያ ተወሲዶም ኣብ ማእሰርቲ ይርኸቡ ምህላዎም ይፍለጥ።

ብዛዕባ’ዚ ኩነታት አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ምላሽ ንምርካብ ናብ ምክትል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሓላፊ አብያተ ፍርዲ ፈደራል አቶ ጼጥሮስ አበበ ዝተኻየደ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ይግለጽ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG