ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፕሪቭ ንኣንዳርጋቸው ፅጌ ከፍትሕ ይፅዕር ኣለኹ ኢሉ


ካብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፍርቲ ሰንዓ ተጠሊፎም ናብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱ ዋና ፀሓፊ ግንቦት 7 ንዝነበሩ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ከፍትሕ ሪፕሪቭ ዝተብሃለ ትካል ፃዕርታት የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወፀ ሓደ ፀብፃብ ኣል-ጀዚራ ፖለቲከኛታት ኣሜሪካ፣ኢንግሊዝን ሕብረት ኣውሮፓን ዋና ፀሓፊ ግንቦት 7 ዝነበሩ ኢንግሊዛዊ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ክፍትሑ ንናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምሕታቶም ይገልፅ።

ሪፕሪቭ ኣብ ዙርያ ዓለም ሞት ዝተፈርዶም ሰባት ንምሕጋዝ ዝንቀሳቐስን ዋና ቤት ፅሕፈቱ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝገበረን ገባሪ ሰናት እዩ።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ንመስቀይቲ ተቓሊዖም ንምዃኖም ጥርጣረ ዝሓደሮ ንዕኦም ዘርኢ ቪዲዮ ምስወፀ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።በዚ ምኽንያት ንዝቐረቦም መብዛሕቲኦም ክስታት ክኣምኑ ከይተገደዱ ኣይተረፉን ይብል ሪፕሪቭ።

ኣብ ሪፕሪቭ ዳይረክተ ጉዳያት መቕፃዕቲ ሞት ማያ ፎ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ንኽፍትሑ ፃዕርታት ይገብራ ከምዘለዋ ይዛረባ።ዝርዝሩ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:27 0:00

XS
SM
MD
LG