ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምህላዎም ሪፖርት በፂሑኒ ኢላ ኢንግሊዝ


ኣቶ አንዳርጋቸው ፅጌ
ኣቶ አንዳርጋቸው ፅጌ

ዋና ፀሓፊ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሪፖርት ከምዝበፅሖ መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣፍሊጡ።Human Rights WATCH ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣቶ እንዳርጋቸው ናብ ኢትዮጵያ ምውሳዶም ርግፀኛ እየ ኢሉ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢንግሊዝ ብኢሜይል ኣብዝደደልና መልእኽቲ ናይ ኢንግሊዝ ዜጋ ዝኾኑ ኣቶ እንዳርጋቸው ካብ 17 ሰነ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ምጥፍኦምን ኣብ ለንደን ንዝርከቡ ኣምባሳደር የመን ምዝርራብ ሓዊሱ ሰበስልጣን የመን ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ ዝርከብሉ ክገልፁልና ፅዕንቶ ከነሕድርን ፀኒሕና ይብል።ሕዚ ግን ይብል እቲ መልእኽቲ ዝርከብሉ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝሕብሩ ፀብፃባት ዝበፅሐና ብምዃኑ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ብቕልጡፍ ከረጋግፁልናን ስግኣትና እውን እናገለፅና ክንሓትትን ኢና ይብል እቲ ዝተልኣኸልና መግለፂ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ጉዳይ ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ ከምዝተሓሳሰቦ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ትካል ሂውማን ራይትስ ዎች ገሊፁ’ሎ።

እቲ ትካል ሎማዕንቲ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ንኣቶ እንዳርጋቸው ዓለምለኸ ግቡኣ ብዘኽብር ኣገባብ ንኽትሕዞም ኣብቲ ትካል ዳይረክተር ኣፍሪካ ሌስሊ ሌፍኮ ሓቲተን ኣለዋ።

ኣብ የመን ሰንዓ ዝርከባ መርማሪት ህውማን ራይትስ ዎች በልኪስ ቬላ ኣብ የመን ምስ ኣተው ሽዑ ንሽዑ ናብ ኢትዮጵያ ምውሳዶም ኢና ዝተረዳእና ይብላ።ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተጉዓዙላ በረራ ምርግጋፀን እውን ወሲኾነ ሓቢረን።

ኣስዒበን ‘’ብናተይ ኣረዳድኣ ኣቶ እንዳርጋቸው ንልዕሊ ሓደ ማዕልቲ ኣብ የመን ኣይፀንሑን።ብኣንፃሩ ምስተትሓዙ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ከምዝተባረሩ ምንጭታትና ገሊፆምልና ኣለው’’ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ ኣብ ኢደይ ኣይኣተውን ግን ክንሓትት ንኽእል ኢና ክብል ገሊፁ’ሎ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ግንቦት ሸውዓተ ኣቶ ሙሉነህ እዩኤል ውድቦም ንኣቶ ኣንዳርጋቸው ኣሕሊፉ ኣብ ልዕሊ ዝሃበ መንግስቲ የመን፡ናይ ገዛእ ባዕሉ ዜጋ ንምፍታሕ ፃዕሪ ኣብ ልዕሊ ዘይገበረ መንግስቲ ኢንግሊዝን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ንምውሳድ ኣብ ምሉእ ዓለም ሰፊሕ ምቅስቓስ ከምዝጀመረ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG