ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን ንኣቶ ኣንዳርጋቸው ኣሕሊፋ ሂባቶም ኢሉ 7 ግንቦት


ኣቶ ኣንዳርጋቸ ፅጌ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሓላሊፎም ከምዝተውሃቡ ተቓዋሚ ውድብ 7 ግንቦት ኣፍሊጡ።ብመንገዲ ኣየር የመኒያ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ንምኻድ ንትራንዚት ኣብ ሰንዓ ኣብ ዝኣተው እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፀጥታ የመን ዝወዓሉ ዋና ፀሓፊ 7 ግንቦት ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ የመን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ሂባቶ ክብል እቲ ውድብ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል 7 ግንቦት ኣቶ ኤፍሬም ማዴቦ መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣብ ሃገሩ ንዝርከብ ኣምባሳደር የመን ትማሊ ፀዊዑ ኣብዝተሓተትሉ እዋን መንግስቲ የመን ንኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ሂቡዎ’ሎ ዝብል ምልሻ ኢሎም።

ብምስዓብ ከምዚ ኢሎም ‘’ምንስቴር ወፃኢ ኢንግሊዝ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ናብ ኢትዮጵያ ምውሳዶም ኣምባሳደር የመን ኣረጋጊፆምለይ ክብሉ ንስድርኦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’’።

እቲ መልእኽቲ ኣብ ብሪታኒያ ንዝብሩ ብዓልቲ ቤት ኣቶ ኣንዳርጋቸውን ንሓዎምን ከምዝተዘረቦም ወሲኾም ሓቢሮም ኣቶ ኤፍሬም።

7 ግንቦት ሎማዕንቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ የመን ካብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንስርዓት ወያነ ብምምራፅ መራሒና ንማሕረዲ ኣረኪቡዎም ይብል።መንግስቲ የመን ይቕሬታ ዘይሕትትን ዘመን ዘይስዕሮን ታሪካዊ ጌጋ ፈፂሙ ይብል።

እቲ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ንዝበፅሕ መጥቓዕቲ ሕድ ሕድ ናይ ወያነ ብዓል ስልጣን ዋጋ ክኸፍለሉ እዩ ይብል።

ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምንስቴር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ተመሓላሊፎም ንኽህውሃቦ ከምዘይሓተተን ኣቶ እንዳርጋቸው ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ፀጥታ የመን ምውዓሎም እውን ካብ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝሰምዕዎ ዜና ሓሊፉ መንግስቲ የመን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን ኢሎም።እንተኾን ምሕታት ኣብ ግምት ዝኣቲእዩ ኢሎም።ብምስዓብ ኣንዳርጋቸው ገበኛ መራሒ ጉጅለ ሽብር ስለዝኾነ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተኸሲሱ ዝተፈረዶ እዩ ኢሎም።

ንኣንዳርጋቸው ፍትሕዎ ዝብል ምንቅስቓ ኣብ ወፃኢ ብዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ተቓወምቲ ውድባት ዝተፈላለዩ መግለፂታት ወፂኦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG