ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ፤ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ክልል ትግራይ


ኣብርሃ ሃይለዝጊን ሰለሞን ኣብርሃምን
ኣብርሃ ሃይለዝጊን ሰለሞን ኣብርሃምን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 18 ሚያዚያ 2015 ዝጀመረ ምዝገባ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝምልከት ንመስርሕ ምጅማር ምምሃር ምስትምሃር ክልተ ምሁራት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣለዎም።

ንልዕሊ 17 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ትምህርትን ስርዓተ ትምህርትን ኣብ ምምሃር ዝርከብ ኣይተ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ዘሕልፍ ትምህርቲ ክጅመር የብሉን ምኽኒያቱ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ዘጀምር ኩነታት የለን ይብል። እቲ ዝባኸነ ግዜ ከም ብሕማቕ ኣጋጣሚ ዝጠፍአ ግዜ ተቖፂሩ ትምህርቲ ዘጀምር ኩነታት ዝተፈጠረሎም ከባቢታት’ኳ እንተሃለወ እቶም ህፃናት ብስነ-ልቦናን ካልእ ኩነታትን ድልዋት ንክኾኑ ናይ መለማመዲ ትምህርቲ ክወሃቦም ኣለዎም ይብል። እንተዘይኮኑ ግን ኣብ ፅፈት ትምህርቲ ዝነበረ ጉድለት ብዝኸፍአ ዘጋድድ እዩ ይብል።

ኣብ ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ካሮላይና ኣብ ዝርከብ ሰንትራል ዩኒቨርስቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝመሃሩ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ሰለሞን ኣብርሃም (ዶክትር) ግን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወረደ ዕንወት ርዱእ’ኳ እንተኾነ ብዘሎ ኩነታት ትምህርቲ ክጅምር ኣለዎም ይብሉ። ቀደም እውን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ቆልዑ ኣብ ዳስ ይምሃሩ ነይሮም ዝበሉ ዶክተር ሰሎሞን ሎሚ እውን እንተኾነ ዋላ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም ይኹን ኣብ ዳስ ቆልዑ ኣፅሊሎም ትምህርቲ ክጅምሩ ኣለዎም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG