ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ፡ወልቃይትን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን

  • ገብረ ገብረመድህን

እዚ ሎሚ ናብ ዕግርግር ዓሪጉ ዘሎ ጉዳይ ወልቃይት ካብ ዝልዓል ነዊሕ ዝገበረ መቐፀልታ ናይቲ ዝፀንሐ ሕቶ እዩ ይብል ንእዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ እናተኸታተለ ዝፅሕፍ ኣቶ ገብረስላሴ ኣርኣያ ይገልፅ።

’’ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ሕቶ ዘዋዕውዑዎ ዘለው ሓይልታት ነዚ ከም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ይጥቀምሉ ኣለው’’ ይብሉ ኣቶ ገብረስላሰ።

ሕቶ ወልቃይት መልክዑ እናተለዋወጠ ይልዓል ከምዘሎ ብምሕባር መንግስቲ እውን ንዝልዓሉ ሕቶታት ኣብ እዋኑ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ ይብል።

ዝልዓል ዝኾነ ይኹን ሕቶ ብሕገመንግስታዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ ምስ ወልቃይት ተኣሳሲሩ ንዝተልዓለ ጉዳይ ክልላዊ መንግስታት ኣምሓራን ትግራይን ክፍትሑ ናይ ግድን እዩ ይብል ኣቶ ገብረስላሰ።ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG