ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ትንታነ ህውሓት ( 2ይ ኽፋል)


ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህውሓት/ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ዘካይዶ ናይ 35 መዓልታት ገምጋምን ምንቕቓፍን ስዒቡ ዝመፀ ምቅይያራት መሪሕነትን ዝወጸ መግለፂ ቅዋምን ዝተፈላለየ ሓሳብ ዘተኣናግድ ምችው ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ንፅር ዝበለ ሓበሬታ ሒዙ ወፂኡ እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ተንተንቲ ዝተፈላለየ ርእይቶ ኣለዎም።

ብጋዜጠኝነትን ደራስትትን ነዊሕ ዝሰርሐ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ "እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብፀረ-ዲሞክራሲ ዝተሓለኸ ነይሩ ኢሉ ምግምጋሙ ንኹሉ ዝሓቁፍ እዩ" ይብል። ዋና ኣሰናዳኢ መፅሄት ውራይና አቶ ጌታቸው ኣረጋዊ ብወገኑ ዝተፈለየ ሓሳብ ክብሃል ከሎ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን ይብል። "ይትረፍስ ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ እውን ናይ ዝተወሰነ ጉጅለ እያ ነይራ፤ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይቲ ውድብ ምኽትል ኣቦ መንበር ዝነበሩ ዶ/ር ደብረፅዮን/ሕዚ ኣቦ መንበር ህውሓት/ ብቴሌቪዥን ትግራይ ተራእዩ ኣይፈልጥን’’ይብል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራተጂያዊ መፅናዕትን መምህርን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትረት ድግሪ ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ዝርከብን ኣቶ ገብረመድህን ገብረሚካኤል ግን እቲ መግለፂ ኣብ ውሽጡ እምበር ካብቲ ፓርቲ ወፃኢ ንዘለው ዝበሎ የለን ይብል። "መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ኣብ ውሽጠ ዴሞክራሲ መሰረት ዝገበረ እምበር ካብቲ ፓርቲ ወፃኢ ንዘለው ሓይልታትን ኣተሓሳስባታትን ከተኣናግድ እንተኾኑ ዝበሎ ነገር የለን’’ኢሉ’ሎ።

ኣብ ህውሓት ዝለዓለ ተራ ዝነበሮምን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብቲ ውድብ ዝተባረሩ ላዕለዎት መራሕቲ ነበርን ካብቲ ዝሰርሑዎ ታሪኽ ናይ ምፍሓቕ ዝንባለታት ኣሎ ንዝብል ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ንዝተኸፈለ ኣበርኽቶ ዘይቕበል መራሒ ወይ ኣባል እንተሃሊዩ ጌጋ እዩ፣ነዚ ዘራኽስ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት የብሉን ክብል እምነቱ ይገልፅ።

ኣቶ ጌታቸው ግን ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝተፈለየ ሓሳብ ብምሓዞም ናይ ዝወፁ መራሕቲ ህውሓት ታሪኽ ይፍሓቕ ኣሎ ኢሉ። "ናይ ህውሓት ታሪኽ ተባሂሎም ኣብ ዝቐርቡ ናይ ዶክመንታሪ ቪዲዮታት ፈፂሙ ከይርኣዩ ይግበር ኣሎ፤ኣብ ቴሌቪዥን እውን ከይርኣዩ ይግበር ኣሎ’’ይብል።ነዚኣ ዝገብሩ ንቤት ፅሕፈት ህውሓት ን15 ዓመታት ዝመርሑ ሰባት ምዃኖም እውን ይገልፅ።

ኣብዚ ቐረባ ናይ ኦህሄደው ኣቦ መንበር ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ጎኒ ካብ ኢህወዴግ ተፈሊዮም ዝወፁ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኮፍ ኢሎም ምርኣዮም መራሕቲ ህውሓት ካብዚ ክምሃርዎ ዝግባእ እንተሃሊዩ ዝተሓተተ ኣቶ ገብረመድህን ኣብ ኦሄዴው ዝርአ ዘሎ ካብኡ ንልዕሊ ምዃኑን ብምግልፅ "ሕዚ ኣብ ሚዲያ ዘቕርቡዎም ዘለው መናእሰይ ክትርኢ ከለኻ ካብቲ ናይ ህውሓት ፍፁም ተፃራሪ እዩ፤ኣብ ካልእ ጫፍ ንዝነበረ የፀግዑ ኣለው ኣብ ናትና ግን ብዓለባ ተነፊዮም እዮም ናብ መድረኽ ዘውፅኡዎም’’ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፖለቲካዊ ትንታነ ህውሓት (2ይ ኽፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:25:31 0:00

XS
SM
MD
LG